ኣብ’ዘን ዝስዕባ ሰሙናት ሰፊሕ ኲናት ክዉላዕ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ብወገን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ተጻፊፉ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እዉን በብወገኖም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ምርካቦም ኣረዲኦም።

ብወገን ራማን ባድመን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ዉግእ ፣ ሓይልታት ትግራይ ከምዝጀመርዎ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ነዚ ተኸቲሊ – ሓይልታት ትግራይ ብኣርባዕተ ሸነኻት ኪመጽእ ዝኾነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ይጽበዮም ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

“ኣብ ትግራይ ሰሪቱ ዘሎ ዕጽዋ ኣይዘለቐን፡ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻባኦ ድማ ዘምጸኦ ፍታሕ የለን” ኢሉ ኪኸስስ ዝወርሐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ እቲ ተርእዮ እንተዘይተመሓይሹ ካልእ ኣማራጺ ሃሰዉ ክብል ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ህግደፍን ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝራጸሙ ኩሎም ኢትዮጵያዉያን ወገናትን ፣ መጠንቀቕታታት ሓይልታት ትግራይ ናብ ተግባር ከምርሕ ክጽበዩ ምጽንሖም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ሓይልታት ትግራይ ንሸነኽ ኤርትራ መጥቃዕቲ ምፍታኖም ፡ ንኹሎም ነዚ ምኽኒት ክጽበዩ ዝጸንሑ ወገናት ፡ ናብ ትግራይ ዘቕነዐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከበጋግሱ ኣተባቢዑ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ቤት-ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ካድረታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዉሽጣዊ ሰነድ፣ ተኽእሎ ሓድሽ ኲናት ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ ኣስሚርሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።