ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 5ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ብዓወት ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዲማሬ ኣርናውድ ተዛዚሙ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሙቕ ዓወት ካብ ዘመዘግቡዎ፡ ቢኒያም ግርማይ 5ይ ክወጽእ’ከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ’ኸኣ 8 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ክዕወቱ ኣቐዲሞም ግምት ዝረኸቡ፡ ኣውስትራሊያዊ ኢዋን ካሌብ፡ ብሪጣኒያዊ ካቫንዲሽ፡ ቢኒያም ግርማይ፡ ፈረንሳዊ ዲማሬ ኣርናውድ፡ ኮሎምቢያዊ ጋቪሪያ ፈርናንዶ፡ ሆላንዳዊ ቫንደር ፖል፡ ጀርመናዊ ፊል፡ ጣሊያናዊ ኒዞሎ ጊያኮሞ፡ ዴንማርካዊ ኮርት ኢዮም ኔሮም።
ኣብ 55.7 ኪ.ሜ ዝተገብረ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጣልያናዊ ታግሊያኒ ፊሊፖ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ቢኒያም ግርማይ ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ 3 ነጥቢ ከሲቡ። በዚ መሰረት ምስ ቫንደር ፖል ዝነበሮ ናይ 7 ነጥቢ ፍልልይ ናብ 4 ኣጽቢብዎ።
ንናይ ዓቐበት ቅጽብታዊ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ንዝወጹ 39 ነጥብታት ተቐሪቡሎም ኔሩ። ኣብ 75.3 ኪ.ሜ ዝተገብረ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጣልያናዊ ሚርኮ ቀዳማይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ሓፊሱ።
በዚ መሰረት ብነጥቢ ዝመርሑ ተቐዳደምቲ፡ 1ይ ፈረሳዊ ዲማሬ ኣርናውድ ብ 94 ነጥቢ፡ 2ይ ኤርትራዊ ቢኒያም ግርማይ ብ 72 ነጥቢ፡ 3ይ ኮሎምቢያዊ ፈርናንዶ ብ 67 ነጥቢ ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር ኣብ ቀዳሞት ዝተራእየ ለውጢ የለን፡ 1ይ ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ዩዋን ፔድሮ፡ 2ይ ጀርመናዊ ካምና ሌናርድ፡ 3ይ ኢስቶናዊ ታራሜ ሬይን ኮይኖም ኣለዉ።