ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋዉ ንዳይረክተርነት ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ኣብ ፈደራላዊ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ በቒዓ።

ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ መዝነት ዝተሓጽየት ኮይና፣ ሰነት ኣመሪካ ብ11 ግንቦት ኣብ ዘቃንዖ መስርሕ ምጽዳቕ ፣ ነቲ ሕጽያ ብ 54 ን 45 ድምጺ ድሕሪ ምድጋፉ እያ ነቲ ዓቢይ ሓላፍነት በቒዓ ዘላ።

ፕሮፌሰር ኣስመረት ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣብ’ቲ መዝነት ክትጸንሕ ምዃና እዉን ተፈሊጡ።

ፈደራላዊ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ፣ ንጸዓት ኣብ ዘመልክቱ ዓበይቲ መጽናዕትታትን፡ ኣብ ነገራዊ ስነፍልጠት ዝካየዱ ምርምራትን ብመሪሕነት ዝደጋገፍ ቀሊል ኣካል ከምዘይኮነ ይሕበር። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ-መርሰድ  ከም ዲን ኮሌጅ፣ መምህርን ተመራማሪትን ኮይና ኽትነጥፍ ዝጸንሐ ፕሮፌሰር ኣስመረት ፣ ብፍላይ ኣብ ዓዉድታት ስነ-ሓመድ ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ከባቢ፡ ከምኡ’ዉን ዓለማዊ ክሊማ ተጸዋዕቲ ምርምራት ዘካየደት እያ።

ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርጋ ብምዕቃብ ማይን ሓመድን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝረኸበተ ኣስመረት ፣ ስዒቡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ብፖለቲካዊ ስነ-ከባቢ ናይ ማስተርስ ዲግሪ፣ ድሒሩ ድማ ካብ በርክለይ ዩኒቨርሲቲ ብ ባዮ-ጂኦኬምስትሪ ናይ ዶክትረይት መዓርግ  ዝደለበት እያ።

ፕሮፌሰር ኣስመረት ፣ ነቲ ኣብ 2020 ካብ ካርኔጅ ኮርፖሬሽን ናይ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝረኸበቶ ኣኽብሮት ሓዊስካ ሓያለ ኣፍሎጦታትን ሽማታትን ተዋሂቦምዋ እዮም።

ኣብ ሃገራት ስደት፣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ፡ ትምህርቲን ሞያን እተን ሃገራት ጸብለል ናይ ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራዉያን ብዝሒ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።