ቋንቋ ትግርኛ ናብ ተርጓሚ ማዕከን ናይ ጉግል (Google Translate) ብወግዒ ከምእተጸንበረ ተገሊጹ። ትካል ጉግል ሎሚ 11 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ትግርኛ ዝርከቦም 24 ቋንቋታት ንተጠቃምነት በቒዖም ምህላም ኣረዲኡ ኣሎ።
ቋንቋ ትግርኛ ናብ’ቲ ማዕከን ንምስኳዕ ካብ 2020 ጀሚሩ ጻዕርታት ኪካየድን፡ ናይ ምጽራይ መስረሓት ክሕለፍን ምጽንሑ ዝገለጹ ኣብ ምዕዋት እቲ መደብ ብመሪሕነት ዝተዋስኡ ኤርትራዉያን ክኢላታት፡ ትግርኛ ካብን ናብን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኪትርጎም ናብ ዝከኣለሉ ፈላሚ ምዕራፍ ኪብጻሕ ብምኽኣሉ፡ ንተዛረብቲን ተጠቀምቲን እቲ ቋንቋ ዮሃና ኢሎም።
ነዚ መደብ ንምዕዋት ነዊሕ መስርሕ ከምእተሓልፈ ዘዘኻኸሩ እቶም ክኢላታት፡ ብደረጃ ኮማት ይኹን ዉልቀሰባት ዝተኻየደ ጻዕሪ ነዚ ዓወት ክዉን ከምዝገበረ ኣገንዚቦም።
ተርጓሚ ማዕከን ናይ ጉግል ምስዞም ብ11 ግንቦት ዝጸንበሮም 24 ቋንቋታት፡ ዛጊት ብጠቕላላ 133 ዝተፍላለዩ ቋንቋታት ሶዂዑ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ እዉን እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ።