ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 6ይ ዙር ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዲማር ኣርናውድ ቀዳማይ ክወጽእ ኣንከሎ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ሓያል ቃልሲ ብምርኣይ 4ይ ደረጃ ሒዙ። ኣብ’ቲ 192 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር፡ ቢንያም ዘርኣዮ ናይ ምውድዳርን ናይ ምዕዋትን መንፈስ ኣዚዩ ዝድነቕ ነይሩ።
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጺዮን እዉን መበል 21 ብምውጻእ፡ ጽቡቕ ደረጃ ኣመዝጊቡ።
ኣብ 40.6 ኪ.ሜ ኣብ ዝተገብረ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሮዛ ዲየጎ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ ከሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ከኣ 5ይ ደርጃ ብምሓዝ 4 ነጥቢ ወሲዱ።
ብብዝሒ ምስ ቀዳሞት 10 ዝኣተዉ ተጻወቲ፡ ቀዳማይ ቢንያም ግርማይ (4 ጊዜ)፡ ካልኣይ ድማ ዲማር ኣርናውድ (3ጊዜ) እዮም።
ድሕሪ ዝተኻየዱ ሽዱሽተ መድረኻት ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ብነጥቢ ዝመርሑ ዘለዉ ተቐዳደምቲ፡ 1ይ ዲማር ኣርናውድ ብ 147 ነጥቢ፡ 2ይ ቢንያም ግርማይ ብ 94 ነጥቢ፡ ማርክ ካቫንዲሽ ብ 78 ነጥቢ 3ይ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር 1ይ ስፕኛዊ ሎፔዝ ጁዋን ፔድሮ፡ 2ይ ጀርመናዊ ካምና ሌናርድ፡ 3ይ ድማ ኢስቶኒያዊ ቴራሜ ሬን እዮም።
ጽባሕ ዕለት 13 ግንቦት፡ 196 ኪ.ሜ ዝሽፍን 7ይ መድረኽ ክካየድ እዩ። ሕጂ’ዉን ኤሪ-ሳት ንኤርትራዉያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!