ኮንግረስ ኣመሪካ ሕጂ’ዉን ኣብ ወተሃደራዊን ሰብኣዊን ሓገዛት ዩክሬን ክዉዕል ብፕረዚደን ሃገሩ ንዝተጠልበ ገዚፍ ባጀት ኣጽዲቚ። ናብ 40 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝቃረብ መጠን ገንዘብ ንዩክሬን ክወሃብ ወሲኑ ዘሎ ኮንግረስ፡ ዉሳኔኡ ተግባራዊ ኪኸዉን ናይ ሰነት ተመሳሳሊ መርገጺ ይጽበ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኮንግረስ ፣  ዩክሬን ተወሳኺ ድጋፍ ንኽወሃባ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ዘሕለፎ ዉሳኔ እዩ ነቲ ባጀት ኣጽዲቚ ዘሎ ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወራር ሩስያ ንእትምክት ዘላ ዩክሬም ተወሳኺ 33 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኪቕረበላ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንኮንግረስ ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ገንዘባዊ ደገፍ ፡ ዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ደዉ ክትብል ዘክእላ ምዃኑ ገሊጹ ዝነበረ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ ኮንግረስ ንብዝሒ እቲ ገንዘብ ዘይኮነ እቲ ገንዘብ ኪገትኦም ንዝኽእል መጻእቲ ዕንደራታት ሩስያ ከስተብህለሉ ተላቢዩ እዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝጠለቦ መጠን ገንዘብ ዕጽፊ ናይቲ ሃገሩ ንምምካት ወራር ሩስያን ንሰብኣዊ ሓገዝን ብምባል ዛጊት ንዩክሬን ዝቐረበቶ 14 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ እዉን ተሓቢሩ ነይሩ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣቚሪብዎ ዝነበረ ጠለብ ፣ 20 ቢልዮም ንወተሃደራዊ ቀረብ፡ 8.5 ቢልዮን ንቊጠባዊ ጽገና ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝሽረፍ እዩ።

ሩስያ  ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ሓገዛት ንዩክሬን ኪቕርባ ኣብ ልዕሊ ዝደፍራ ሃገራት ምዕራብ ንዩክሌሳዊ መቕጻዕቲ ክትወስድ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ተፈራርሃሉ ዘሎ እዋን’ዩ እዚ ልዑል መጠን ገንዘብ ብኮንግረስ ኣመሪካ ዝጸድቕ ዘሎ።

እቲ ተወሳኺ ኣመሪካዊ ሓገዝ ተግባራዊ እንተኾይኑ ፣  ወተሃደራዊ መሳርዕ ዩክሬን ምስ’ቲ ንወራር ወፊሩ ዘሎ ሰብን ኣጽዋርን ሩስያ ኪመዓራረ ተኽእሎታት ከምዘሎ ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም ።