ሎሚ ዓርቢ 13 ግንቦት፡ 192 ኪ.ሜ ርሕቀት ዝሸፈነ 7ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ተኻይዱ። ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን ኣዝዩ ዝነኣድ ብቕዓት ብምርኣይ ክዕወት እንከሎ፣ ተዓዋቲ ጂሮዲ ኢጣልያ 2017 ቶም ዶምሊን ድማ ጽቡቕ ጊዜ ብምምዝጋብ 5ይ ደረጃ ሒዙ።
ቦውማን ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር 21 ደረጃታት ብምምሕያሽ ካብ መራሒ እዚ ውድድር(General Classification) ዝኾነ ስፓኛዊ ሎፔዝ ፔድሮ 2 ደቒቕን 19 ካልኢትን ደንጉዩ መበል 14 ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
ሎሚ መዓልቲ 2ይ ኮይኑ ዝኣተወ ፈረንሳዊ ወዲ 35 ዓመት ተቐዳዳማይ ሞሌማ 16 ደረጃታት ብምድያብ መበል 21 ደረጃ ሒዙ’ሎ። ኣብ ቀዳሞት ናይ ጊዜን ናይ ነጥቢን ተርታ ለውጢ ኣይተርኣየን። ኣብ ናይ ጊዜ ሎፔዝ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ’ከሎ፡ ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር ኸኣ ዲማር ቀዳማይ፡ ቢኒያም ግርማይ ከኣ 2ይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።
እቲ ካብ ዲፓንተ ተበጊሱ ኣብ ፖቴንዛ ዝተዛዘመ ውድድር፡ 4900 ሜትሮ ብራኸ (Elivation) ዝነበሮን፡ ካብ ኩሎም መድረኻት ዝነውሐ ማለት 32 ኪ.ሜ ዝርሕቐቱ ዓቐብ ዘጠቓለለ ኢዩ ኔሩ።
ኣርባዕተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ዝነበሮ እዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ብጠቕላላ 163 ነጥቢ ንሓኾርቲ ዓቐብ ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 45.6 ኪ.ሜ ኣብ ዝተገብረ ቀዳማይ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ሆላንዳዊ ፖልስ ዎት ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 90.1 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝተገብረ 2ይ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ሆላንዳዊ ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ሓፊሱ። ኣብ 135.6 ኪ.ሜ ዝተገብረ 3ይ ናይ ዓቐብ ቮላታ፡ ሕጂውን ቦውማን ቀዳምይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ።
ኣብ 126 ኪ.ሜ ዝተገብረት ሓንቲ ናይ ነጥቢ ቮላታ ባዕሉ ቦውማን ቀደማይ ብምውጻእ 12 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ ኢዩ።
ኣብ መበል 176 ኪ.ሜ ዝተኻየደ 4ይን ናይ መወዳእታ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ሕጂውን ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት 9 ነጥቢ ወሲዱ። ቦውማን ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ጥራይ ብጠቕላላ 68 ናይ ዓቐብ ነጥቢ ብምእካብ፡ ናይ ኣንበሳ ዓቐብ (king Of Mountain) 1ይ ደረጃ ሒዝዋ’ሎ።
8ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ጽባሕ 14 ግንቦት ፡ 153 ኪ.ሜ ርሕቐት ብዝሽፍን ናይ ጎልጎል ቅድድም ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!