ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ምስ ሰብ-መዚ ሊብያ ድሕሪ ዘካየዶም ዝርርባት ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዓይን-ዛራ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን59 ከምዘ’ፍትሐ ገሊጹ። እቶም ቈልዑን ደቂኣንስትዮን ዝረከብዎም ስደተኛታት ብ9 ግንቦት ዝተፈትሑ ኮይኖም፡ መባእታዊ ቀረባት ተዋዲድሎም ኣብ ውሑስ ከባቢ ትሪፖሊ ምህላዎም እዉን እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኣረዲኡ።
UNHCR ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ተታሒዞም ንዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት ንምንጋፍ፡ ምስ ሰብ መዚ ሊብያ ኣብ ቀጻሊ ምይይጥ ከምዝርከብ እዩ ዝንገር።
ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን ማእከላት ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ እዩ።
ኣሃዱ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ፡ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝካየድ ማእሰርቲ፡ ድጎና፡ ከምኡ’ዉን ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ቀጻሊ ይዕዘብ ከምዘሎ ፣ ብፍላይ ኣብ’ተን ብመንግስቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀይዱ በቲኹ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ እዩ።
ኣስማት ናይ ኣሽሓት ስደተኛታት ፡ ኣብ’ቲ ብኣመሓደርቲን ኣካየድቲን እተን መዳጎኒ ማእከላት ዝዝርግሑ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከምዘይምዝገብ ዝወቅስ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ስደተኛታት ንመሰሎምን ድሕነቶምን ዘረጋግጽሉ ባይታ ተሓሪምዎም ይጭወዩን ደሃዮም ይሰኣንን ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ሓያለ ስደተኛታት ብኣካየድቲን ኣባላት ሓለዋን እተን መዳጎኒ ማኣከላት እንዳተጨወዩ ንነጋዶ ደቂ-ሰብ ከምዝሽየጡ እዉን ዝተፈላለያ ንመሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ዝሕለቓ ትካላት ብቐጻሊ ክጽብጽባ ጸኒሐን እየን።