ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ሼኽ ካሊፋ ቢንዛይድ ኣል-ናህያን፡ ሎሚ 13 ግንቦት ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ሚኒስትሪ ፕረዚደንታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።  40 ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፡ መንግስታዉያንን ብሕታዉያንን ትካላት እታ ሃገር ንሰለስተ መዓልታት ስራሕ ደዉ ከብላ ኣዚዙ ኣሎ።

ብመሰረት ቁዋም ሕቡራት ኤማራት ፣ ንሸዉዓተ ግዝኣታት እታ ሃገር ዝዉክል ፈደራላዊ ቤትምኽሪ ተኣኪቡ ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝስዕባ 30 መዓልታት ሓድሽ ፕረዚደንት ክሳብ ዝመርጽ፣ ምክትል ፕረዚደንት ዝጸንሐ መራሒ ዱባይ ሼኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣልማክቱም ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ኪነጥፍ እዩ።

ካብ ብሞት ዝተፈልየ ወላዲኡ ፕረዚደንት ሼክ ዛይድ ቢን ሱልጣን ኣልናህያን ኣብ 2004 ስልጣን ዝተረከብ ሼኽ ካሊፋ ፡  ኣብ 2014 ድሕሪ ዝጎነፎ ወቕዒ ልቢ ፡ ካብ ንጡፍ ስራሕ ምርሓቚ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ወዲ-ኣቦኡ ዝኾነ ልኡል ኣቡዳቢ መሓመድ ቢን ዛይድ ንዝገዘፉ ንጥፈታት እቲ ፕረዚደንት ኪዓምም ምጽንሑ የረድኡ።

ሕቡራት ኤምራት ብቚጠባን ሰባዊ ልምዓትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከተብል ልዑል ተራ ከምእተጻወተ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ሼኽ ካሊፋ ቢንዛይድ፣ ሃገሩ ምስ እስራኤል ከይተረፈ ዝምድና ኸተቕንዕ ዘኽኣለ ዉሕሉል መራሒ እንዳተባህለ እዩ ዝጥቀስ።