መንስግስቲ ኡጋንዳ፣ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብኣመሪካን ግብጺን እንዳተሓገዙ ኣብ ሃገሩ ይስልጥኑ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺጉ። እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኡጋንዳ ቪንሰንት ሰምቢያ ምስ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ብ13 ግንቦት ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ተራኺቡ ኣብ ዝተመያየጠሉ ኣጋጣሚ እዩ።

እቲ ኡጋንዳዊ ሚኒስተር ፣ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኡጋንዳ ወተሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኪደጋገም ዝጸንሐ ወረ መሰረት ከምዘይብሉ ጠቂሱ፡ ሃገሩ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶን ምድልዳል ኪገበረሉ ኣለዎ’ዉን ኣትብሎን ጸጥታዊ ዉዕል ተኽብሮን ትሕልዎን ምዃና ሓቢሩ።

ሚኒስተር ቪንሰንት ወሲኹ፡ ካብ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጻእቲ ንዝኾኑ ባእታታት ኣብ መሬት ኡጋንዳ ዝወሃብ ስልጠና ይኹን ሓገዝ ፍጹም ከምዘይህሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዓሰርተታ ኣሽሓት ተጋሩ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኬንያን ብምርሓቕ፡ ጸኒሖም ናብ’ታ ንስደተኛታት ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኡጋንዳ ኪውሕዙ ከምዝተራእዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ንንግዲን ካልእ ዉልቃዊ ዋኒንን ኣብ ከም ዱባይን ፡ ነዊሕ ናይ መንበሪ ወረቐት ኽርከበለን ኣብ ዘጸግማ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝጸንሑ ወገናት ናብ ኡጋንዳ የብሉ ምህላዎም ይንገር።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ከተማ ካምፓላ ናይ ዘሎ ተጋሩ ስደተኛታት ቊጽሪ ምስ’ቲ ኣብ’ታ ከተማ ዝጸንሐ ብዝሒ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪመጣጠን ቀሪቡ ከምዘሎ እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ።