ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 9ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ኣወስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ጃይ ሂንድሊይ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ተዓዋቲ ዙር ኣልፕስ 2022 ዝኾነን፡ ንቱርዲ ፍራንስ 2016  ካልኣይ ብምዃን ዝተዓወተን ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ሮሜይን ባርዴ እዉን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ 2ይ ኮይኑ ኣቲዩ። ንቢኒ ወዲ ጋንትኡ(Intermarche-wanty) ኢጣልያናዊ ዶመኒኮ ፖዞቪቮ ኸኣ 6ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። 

ክልተ ጊዜ ተዓዋቲ ጂሮዲ ኢጣልያን፡ ከምኡ’ዉን ተዓዋቲ ቱርዲ ፍራንስ 2014 ዝኾነ ወዲ 37 ዓመት ኢጣልያዊ ቪቼንዞ ኒባሊ 8 ደረጃ ብምሓዝ ገና ምስ ዓቕሙ ከም ዘሎ ኣመስኪሩ።

ኣብዚ 191 .ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ተረርቲ ዓቐብ ዝበዝሖን ንናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ዓቕሞም ዝፍትሽሉ ውድድር ኢዩ ኔሩ።

ኣብ 103.5 .ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 103.5 .ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣርጀንቲናዊ ኤድዋርዶ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድከሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን 5ይ ደረጃ ብምሓዝ 4 ነጥቢ ወሲዱ።

ተቐዳደምቲ ኣብ 4.2 .ሜ፡  ኣብ 17.8 .ሜ፡ ኣብ 37.6 .ሜ፡ ኣብ 147.7 .ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 191 .ሜ ሓሙሽተ ናይ ዓቕብ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር እንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ማቲዩ ቀዳማይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ክወስድከሎ ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናቱ ኸኣ 3ይ ኮይኑ 2 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ዴያጎ ሮዛ 1ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ብምዉሳድ፣ ኤርትራዊ ናቱ ድማ 3ይ ብምውጻእ 6 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሕጂውን ኢጣልያዊ ዲያጎ ሮዛ 1ይ ብምእታው 18 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ። ኣብ 147.7 .ሜ፡ ዝተገብረ 4ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣጣልያዊ ዲያጎ ሮዛ  ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክሓፍስከሎ፡ ናቱ ኸኣ 2ይ ብምእታው 18 ነጥቢ ወሲዱ።

በዚ መሰረት  ኣብ 37 .ሜ መውደቕቲ ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ዓቐበት ቮላታ 26 ነጥቢ ከዋልል ክኢሉ ኢዩ። ብተወሳኺ 4 ነጥቢ ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድርውን ክዕወት ክኢሉዩ። 

ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ሕጅውን ስፓኛዊ ጁዋን ፔድሮ ቀዳማይ ኮይኑ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋሎ፡ ፓርቹጋላዊ ጁዋ ኣልሜዳ 6 ደረጃታት ኣማሓይሹ ኣብ 2ይ ደረጃ ክስራዕከሎ፡ ሮሜይን ባርዴ ኸኣ 8 ደረጃታት ኣማሓይሹ 3ይ ኮይኑሎ።

 ጂሮዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ሶኒ ዕለት 16 ግንቦት የዕሪፉ ክውዕል ኢዩ።