ሓይልታት ትግራይ፡ ከይዕስክሩ ንዝሓንገዱ መንእሰያት ይኣስሩ ምህላዎም ፡ ጋዜጣ ሱዳን ፖስት – መቕርበን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ዝተኣስርወን ሰለሰተ ተጋሩ ነበርቲ ኣምስተርዳም ሆላንድ ንዝረኸበቶ ሓበሬታ መርኩስ ብምግባር ኣቃሊዓ።

እተን ወገናት ፣ ነበርቲ ዓዲ ረመጽ ዝኾኑ ሸዉዓተ ኣዝማደንን ሓሙሽተ መሓዙተንን ካብ ዕስክርና ኣምሊጦም ንሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዝነቐልሉ ብኣባላት ጸጥታ ሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ከምእተወስዱ ጠቒሰን፣ ካብ’ቲ ኣንጸላሊዩ ዘሎ ገዚፍ ሓደጋ ኲናትን ቀጻሊ ዕስክርናን ንምርሓቕ ከምልጡ ኣማኢት ተጓሩ ዕለታዊ ይእሰሩ ከምዘለዉ ኣተሓሳሲበን።

ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ክልል ጽዑቕ ግፋ ከካይዱ ምጽንሖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከምኡ’ዉን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጽኦ ከምዘለዋ፣ ሓይልታት ትግራይ ብዝሒ ሰቦም ብዝተዓጻጽፈ ንምብራኽ ኣብ ምጉያይ ከምዝጸንሑ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ ኣብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻባኦ ካብ ዝእወጅ፡ ናብ ትግራይ ኣትዩ ንዘሎ ረድኤት ከም መሻየጢ ንወተሃደራዊ ዕስክርና ይጥቀመሉ ምህላዉን፡ ከም’ቲ ዝድለ ናብ ህዝቢ ይበጽሕ ከምዘየለን እዩ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸስስ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ክልተ-ሰሙናዊ ኣብ ዝህቦም መግለጺታት እዉን፣ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ዝኣቱ ዘሎ መግቢን መድሃኒትን ናብ ነጋዶ እንዳሰጋገሩ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይገብርዎን፣ ስድራቤታት ደቀን ከዐስክራ የገድድሉ ምህላዎምን ብተደጋጋሚ ኪወቅስ ተሰሚዑ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ክስታት ቀጻሊ ዝነጽጎም ኮይኑ፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ስደት ኮይኖም ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝግፈፉን ዝእሰሩን ዘለዉ መቕርቦም ዝምስክሩ ወገናት ግን ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

“እኹል ረድኢት ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣይበጽሕ ዘሎ” ኢሉ ቀጻሊ ዝኸስስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ እቲ ኩነታት ዝኾነ ምምሕያሽ እንተዘይተራእይሉ ዝተረፉ ኩሎም ኣማራጺታት ክወስድ ከምዝኾነ ከፈራርህ ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ሓይልታት ትግራይ ፣ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ዛጊት ዘምጸኦ ፍታሕ ከምዘየለ ብምምኽናይ ንሓድሽ ኲናት ኣሃዱታቶም ያኣኻኽቡ ከምዘለዉ – መንግስቲ  ኢትዮጵያን ጉጅለ ህግደፍን ከተሓሳስቡ ቀንዮም እዮም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ሓይልታት ኤርትራ ንሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክዳለዉ ምዉርሖም ክጠርዕ ተሰሚዑ እዩ።

ናይ’ዚ ኩሉ ምክሳስ ዉጽኢት፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ሓሓሊፎም ግጭታት ይካየዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብ14 ግንቦት እዉን ፣ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኪመጽእ ዝኽእል ሓድሽ መጥቃዕቲ ንምብዳህ ሰራዊት እታ ክልል ኣብ ተጠንቀቕ ኪጸንሕ ኣዚዙ ኣሎ።