ናይ ፍትሒ ተቓላሳይ ተጋዳላይ ጀላል ያሲን መሓመድ ኣበራ፡ ብ 15 ግንቦት ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ብሕማም ተሰዊኡ።
ጀላል ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰልፈ ኮይኑ ፣ ኣብ ምምስራት ክፍሊ ዜናን ድምጺ ሓፋሽን ካብቶም መሪሕ ተራ ዝነበሮም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ክፍሊ ዜና ድማ ብሓላፍነት ዝሰርሐ ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት’ዉን ፣ ኣብ ስደት ብምዃን ኣንጻር እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ምልኪን ኪቃለስ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ጀላል፣ ቀጻሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት – ታሪኽ ሃገር ንምስናድን ፡ ስርዓተ ምልኪ ኣብ ምቅላዕን፡ ምስ ሓያለ መቓልስቱ ምሉእ ግዜኡ ዘወፈየ እዩ።
ምርምራዊን ትምህርታውን ጽሑፋት ኣብ ምድላው፣ ብገንዘቡ፡ ብጉልበቱ፡ ብግዜኡን ምኽሩን ዝተወፈየ ጀላል፣ ምስ ክልተ ብጾቱ ብምዃን እዉን – ሓንቲ ንጥንታዊ ታሪኻዊ ህንጻታት ኤርትራ -ብፋላይ ንከተማ ኣስመራ- እትገልጽ፣ ካብ ሰነዳት መግዛእትን ካልኦት ምንጭታትን ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣብቂዑ እዩ።
ጀላል በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉድን ኮይኑ ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ንሓሙስ 19 ግንቦት 2022, ኣብ ከተማ ኦስሎ ክፍጸም’ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ተለቪዥን ኤሪሳት ብመስዋእቲ ተጋዳላይን ናይ ፍትሒ ተቓላሳይን ጀላል ያሲን መሓመድ ኣበራ ዝተሰመዓ ሓዘን እንዳገለጸት ፡ ንስድራ-ቤቱን መቕርብን ከምኡ’ዉን ንኹሎም መቓልስቱ ደለይቲ ፍትሒን ጽንዓት ትምነ።