ናይ ፍትሒ ተቓላሳይ ተጋዳላይ ጀላል ያሲን መሓመድ ኣበራ፡ ብ 15 ግንቦት ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ብሕማም ተሰዊኡ።

ጀላል ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰልፈ ኮይኑ ፣ ኣብ ምምስራት ክፍሊ ዜናን ድምጺ ሓፋሽን ካብቶም መሪሕ ተራ ዝነበሮም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ክፍሊ ዜና ድማ ብሓላፍነት ዝሰርሐ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት’ዉን ፣  ኣብ ስደት ብምዃን ኣንጻር እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ምልኪን ኪቃለስ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ጀላል፣  ቀጻሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት – ታሪኽ ሃገር ንምስናድን ፡ ስርዓተ ምልኪ ኣብ ምቅላዕን፡ ምስ ሓያለ  መቓልስቱ ምሉእ ግዜኡ ዘወፈየ እዩ።

ምርምራዊን  ትምህርታውን ጽሑፋት ኣብ ምድላው፣ ብገንዘቡ፡ ብጉልበቱ፡ ብግዜኡን ምኽሩን ዝተወፈየ ጀላል፣  ምስ ክልተ ብጾቱ ብምዃን እዉን  – ሓንቲ ንጥንታዊ ታሪኻዊ ህንጻታት ኤርትራ -ብፋላይ ንከተማ ኣስመራ- እትገልጽ፣ ካብ ሰነዳት መግዛእትን ካልኦት ምንጭታትን  ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣብቂዑ እዩ።

ጀላል በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉድን ኮይኑ ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ንሓሙስ 19 ግንቦት 2022, ኣብ ከተማ ኦስሎ ክፍጸም’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ተለቪዥን ኤሪሳት ብመስዋእቲ ተጋዳላይን ናይ ፍትሒ ተቓላሳይን ጀላል ያሲን መሓመድ ኣበራ ዝተሰመዓ ሓዘን እንዳገለጸት ፡ ንስድራ-ቤቱን መቕርብን ከምኡ’ዉን ንኹሎም መቓልስቱ ደለይቲ ፍትሒን ጽንዓት ትምነ።