ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳዉቡ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ካልአይቲ ሰሙን ናይ’ዛ ወርሒ ጀሚሩ ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝጸንሓ ገለ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ናብ ሃገር ክምለሳን ፣ ስትራተጂካዉያን ኣብ ዝበሃሉ ድፋዓትን ከባቢታት ዶባትን ኤርትራ ድማ ቀጻሊ ምድልዳል ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ይግበር ምህላዉ ኣረዲኦም።

ህግደፍ ፣ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ጀሚሩ ኣሎ ዝበሎ መጥቃዕቲ ንምድቓቕ ኩሉዓይነታዊ ምቅርራባት ከጻፍፍ ምጽንሑ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ተጠንቀቕ ኪጸንሕ ኪሕብሮ ዝወርሐ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ብረት ክሕዝን መሳርዑ ኪፈልጥን ንምኽኣል መደብ ተሰሪዑ ይጉየየሉ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ መላእ ሃገር ንልዕሊ ዓመት ኪካየዱ ብዝጸንሑ ግፋታት ዝተረኽቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት እዉን ተዓሊሞም ድሮ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክዉዝዑ ምጽናሖም ኣይርሳዕን።

ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እዉን በብወገኖም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓይልታት ትግራይ ብኣርባዕተ ሸነኻት ኪመጽእ ዝኾነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ይጽበዮም ምህላዉ እዩ ክዝረብ ቀንዩ። 

ቤት-ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ካድረታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዉሽጣዊ ሰነድ፣ ተኽእሎ ሓድሽ ኲናት ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ ኣስሚርሉ ምንባሩ ይዝከር።