ዩክሬን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)  ከምኡ’ዉን ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክተጸጋጋዕ ስለዝተራእየት  ዝጀመረ ወራር ሩስያ፡ ናህሩ ይዉስኽ ኣብ ዘለወሉ ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለማዊን ኤውሮጳዊን ወተሃደራዊ ክስተታት – ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ኪወስዳ ዘይተራእያ ፊንላንድን ሽወደንን፣ ሕጂ  ናብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኪጽንበራ ዘለወን ድሌት ኣነጺረን ኣለዋ።

ዉሳኔ ፊንላንድ ሽወደንን ፣ ንወተሃደራዊ ኣካይዳታት ሩስያ ከጋዲድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ ኣህጉርን ዓለምናን ናብ ምሉእ ጥፍኣት ከምርሐን  ዝለዓለ ተኽሎ ምህላዉ እዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ዝገልጹ ዘለዉ።

መንግስታት ፊንላንድን ሽወደንን ኣብ ሓደ ግዜ ናብ ኔቶ ናይ ምጽንባር ድሌቶም ምንጻሮም፣ ወራር ሩስያ ካልእ መልክዕ ንኽሕዝ ክደፍእ እዩ ዝብል ስግኣት’ዉን ተፈጢሩ ኣሎ።

ሩስያ ንመርገጺ እተን ክልተ ሃገራት ሻቡ ኣትሪራ ብምቅዋም ፣ መሰረታዊ ምኽንያት ናይ’ቲ ኣብ ዩክሬን እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ እንታይ ምንባሩ ነተን ሃገራት ኣዘኻኺራ ኣላ።

ሩስይ ብሰሪ ተካይዶ ዘላ ወራር ብከበድቲ እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ትቕጻዕ ምህላዋ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፣ ናይ ምክልኻልን ምጥቃዕን ዓቕምታት ሓይልታት ዩክሬን ንምድልዳል ተባሂሉ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ቀጻሊ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ሓገዛት ይወሃብ ብምህላዉ፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሓይላ ንምርግጋጽ ኣብ ግምት ዘይጸንሐ ዓይነት ወተሃደራዊ ስልቲ ሃሰዉ ከይትብል እዉን ተፈሪሁ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡  ንወተሃደራዊን ሰብኣዊን ሓገዛት ዩክሬን ክዉዕል ዝተባህለ ከባቢ 40 ቢልዮን ዶላር ከምዝቐረበት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያለ ሃገራት ኤውሮጳ እዉን እዚ ዘይበሃል ወተሃደራዊን ገንዘባዊን ሓገዛት ናብታ ተወሪራ ዘላ ሃገር ምስዳድ ኣየቋረጻን ዘለዋ።