ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 10ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ቢንያም ግርማይ ናይ መጀመሪያ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ መድረኽ ግራንድ ቱር ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ተቐዳደምቲ ካብ ፔስካራ ተበጊሶም ናብ ከተማ ጄሲ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ 196 ኪ.ሜ ርሕቐት ሸፊኖም።
ኣብ መበል 99.4 ኪ.ሜ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኢጣልያናዊ ማቲያ ባይዝ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ወሱዱ፡፡ ንቢኒያም ቀንዲ መወዳድርቱ ዝኾነን ብነጥቢ ዝመርሕ ዘሎ ፈረንሳዊ ዲማር 5ይ ኣትዩ 4 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ 6ይ ብምእታው 3 ነጥቢ ወሲዱ።
ተቐዳደምቲ ኣብ 108.8 ኪ.ሜ፡ ኣብ 126.3 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 187.5 ኪ.ሜ 3 ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩሎም ኔሮም።
ኣብ መበል 108.8 ኪ.ሜ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ቮላታ ኢጣልያዊ ዲማርሺ ተዓዊቱ። ኣብ መበል 126.3 ኪ.ሜ፡ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ዲማርሺ ደጊሞ ተዓዊቱ። ኣብ መበል 187.5 ኪ.ሜ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ቮላታ ኸኣ ኢጣልያዊ ፖዞቪቮ ዶሚኒኮ ተዓዊቱ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 2 ጊዜ ሃዲሙ እንተነበረ፡ ኣይሰለጦን፡ ዓባይ ጉጅለ (Peleton) ኣርኪባቶ።
ጽባሕ ዕለት 18 ግንቦት 2022፡ መበል 11 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ 203 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ጎልጎል ውድድር ክካየድ ኢዩ።
ኤሪ–ሳት ሕጂውን ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ።