ህግደፍ ንዝዓርግ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣዉጺኡ ኣሎ። እቲ ብመልክዕ ሓተታ ወጽዩ ዘሎ መግለጺ፣ ህወሓት ናብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣቕኒዑ ከምዘሎን ፡ ንወገን ወልቃዪት ፡ ጸገዴን ሑመራን እዉን ተመሳሳሊ መደብ ሓንጺጹ ኣብ ምሽብሻብ ምህላዉን እዩ ጠቒሱ።

ህወሓት ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንምጒባጥ ንሳልሳይ ግዜ ንኲናት ይድንክር ምህላዉ ዝኸሰሰ ህግደፍ፣ ንምብርዓኑ ዘሎ ድልዉነትን ግቡነትን ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፣ ከም ልሙድ መብርሂታት ኣይዘርዘረን።

ህግደፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶባት ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝምዝገቦ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩነታት ወግዓዊ መግለጺ ዝህብ ዘሎ ሕጂ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ኣብ’ዘን ዝስዕባ ሰሙናት ሰፊሕ ኲናት ክዉላዕ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ምሕባሮም ኣይርሳዕን። ብወገን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ተጻፊፉ ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፣ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እዉን በብወገኖም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ምንጋሮም ኣይርሳዕን።

ኣብ ትግራይ ሰሪቱ ዘሎ ዕጽዋ ኣይዘለቐን፡ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻባኦ ድማ ዘምጸኦ ፍታሕ የለን ኢሎም ኪኸሱ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ፣ እቲ ተርእዮ እንተዘይተመሓይሹ ካልእ ኣማራጺ ሃሰዉ ክብሉ ምዃኖም እዮም ከፈራርሁ ወሪሖም።

ቤት-ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ካድረታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዉሽጣዊ ሰነድ፣ ተኽእሎ ምዉላዕ ሓድሽ ኲናት ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ ኣስሚርሉ ነይሩ እዩ።