ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 11 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ንሳልሳይ ጊዝኡ ኣብ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ዝሳተፍ ዘሎ ወዲ 24 ዓመት ጣልያዊ ተቐዳዳማይ ኣልቤርቶ ዳይኔሰ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብ ናይ ጎልጎል ብሉጽ ክእለት ዘለዎም ተቐዳደምቲ ዲማር፡ ኢዋን፡ ከምኡውን ካቫንዲሽ ተመራሪሖም ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ኣትዮም።
ኤርትራዊ ኾኾብ ቢኒያም ግርማይ ትማሊ ንዓወቱ ይጽንብለሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ናይ ዓይኒ ማህሰይቲ ኣጋጢምዎ ካብ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ምእላዩ ይፍለጥ። ቢኒ ድሕሪ ሕክምና ምግባሩ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንሙሉእ ደገፍቱ፡ ደቂ ጋንትኡን ስድርኡን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኩነታት ጥዕንኡ መታን ክከታተል ካብዚ ውድድር ከምተኣለየ ሓቢሩ። ቢኒያም ግርማይ፡ ኣብ ዝቕጽል ጸወታት ሓይሉ ብምቕራብ ዓወታት ክሓፍስ ተስፋ ብምግባር ነቲ ዝተገበረሉ ደገፍን ሞራን ኣመስጊኑ። ኤሪ–ሳት ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ቀልጢፉ ሙሉእ ጥዕና ክረክብ ትምነ!
ኣብዚ 203 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ዳርጋ ሙሉእ– ብሙሉእ ናይ ጎልጎል ውድድር ስልዝነበረ፡ ኣብ ናይ ጎልጎል ቅጽበታዊ ቅድድም ልዑል ክእለት ዘለዎም ተቐዳደምቲ ከም በዓል ዲማር፡ ኢቫን ካሌብ ከምኡውን ካቫንዲሽ ክዕወቱ ግምት ተዋሂብዎም ኔሩ።
ተቐዳደምቲ ነቲ ተዳልዩሎም ዝነበረ ውድድር፡ ብገምጋም 46.96 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ተጓዒዞም ወዲኦሞ።
ኣብ 76.4 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 76.4 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጣልያናዊ ፊሊፖ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ጣልያናዊ ራስቴሊ ሉካ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።
ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር፡ ዲማር ብ 173 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ካቫንዲሽ ብ 96 ነጥቢ ካልኣይ፡ ከምኡውን ጋቪራ ብ 91 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኖም ይመርሑ ኣለዉ።
ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ሕጅውን ስፓኛዊ ጁዋን ፔድሮ ቀዳማይ ኮይኑ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋ’ሎ፡ ኢኳዶራዊ ካርፓዝ ሪቻርድ 2ይ ደረጃ ክስራዕ’ከሎ፡ ፓርቹጋላዊ ጁዋ ኣልሜዳ ኸኣ 3 ኮይኑ ተሰሪዑ ኣሎ።
ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 19 ግንቦት፡ 204 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ዓቐበት ውድድር ከካይድ ኢዩ። ኤሪ–ሳት ሕጂውን ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!