ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡  ወግዓዊ ጠለብ ኣባልነት ፊንላንድን ሽወደንን ኣብ ኢዱ በጺሑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ዋና ጸሓዊ እቲ ኪዳን ብ18 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ጠለብ እተን ክልተ ሃገራት ብወግዒ ተሰኒዱ ምህላዉ ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ እወታዊ መልሲ ኪወሃቦ ከምዝኽእል ኣረዲኡ ኣሎ።

መስርሕ ምጽንባር እተን ክልተ ሃገራት ክሳብ ሓደ ዓመት ኪሓትት ከምዝኽል ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ናብቲ ኪዳን  ከጸንብሩ ዝኽሉ መለኪዕታት ዘማልኣ ብምዃነን ግን ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ከምዘይኮነ እዮም ዝግምቱ።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ 30 ሃገራት ሓቚፉ ዘሎ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፣ ንመለኪዕታት ኣባልነት ዘማልአት ዝኾነት ኤውሮጳዊ ሃገር ክጽንብር ዘኽል ክፉት ፖሊሲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

ናብ’ቲ ኪዳን ክጽንበራ ናይ ዝሓታ ሃገራት ጉዳይ፣ ኩለን ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳን ብመንገዲ ሃገራዊ ባይቶታተን ከጽድቕኦ ስለዘለወን ፣ መስርሕ ኣባልነት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ብመርገጺታት ዉሳኔታትን ኣባላት ሃገራት ኣመና ኪጽሎ እዩ ዝርአ።

ቱርኪ ነቲ ብፊንላንድን ሽወደንን ነቒሉ ዘሎ ሓሳብ ከምዘይትቕበሎን ፣ ንምዕንቃጹ ድማ ዝከኣላ ከምትጽዕርን እያ ተጠንቅቕ ዘላ።

ተበግሶታት ፊንላንድን ሽወደንን ነቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክሬንን ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ዝወስድ ምዃኑ ዘጠንቅቕ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ፣ ብዘይካ’ዚ – እተን ሃገራት ኣብ ቱርኪ ወተሃደራዊ ዕላዋ ንዝሓሰቡ ዕጡቓት ኲርዲ ኣዕቚበን ዘለዋ ብምዃነን ፡ ሃገሩ ንኣባልነትን ኣብ ኔቶ ኪትቅበል ከምዝኸብዳ እዩ ተዛሪቡ።

ቱርኪ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ፣ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳንን ዉሳኔታቱን ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ከምዘለዋ እዩ ዝሕበር።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለማዊን ኤውሮጳዊን ወተሃደራዊ ክስተታት – ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ኪወስዳ ዘይተራእያ ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ ኪጽንበራ ዘለወን ድሌት ድሕሪ ምንጻረን ካብ ሩስያ ከቢድ ተቛዉሞ ይርአ ምህላዉ እዉን ይፍለጥ።