ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 12 መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ኦልዳኒ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብዚ 204 .ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ተረርቲ ዓቐበት ዝሓዘን ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ዝፈኻከሩ ጸወታ ኢዩ ኔሩ።

ኣብ 56.9 .ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ቮላታ ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 56.9 .ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ፈረንሳዊ ዲማር ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድከሎ ኤኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ጋቪራ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።

ተቐዳደምቲ ኣብ 97.6 .ሜ፡  ኣብ 151.7 .ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 173.4 .ሜ፡ ሰለስተ ናይ ኣቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ነይሩ። ኣብ ቀዳመቲ ናይ ዓቐበጥ ቅጽበታዊ ቮላታ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ሞሌማ ቀዳማይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ሎሬንዞ 1ይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ወሲዱ። ጣልያናዊ ሎሬንዞ ኸኣ 2ይ ብምውጻእ 4 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ። ኣብ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሕጂውን ጣልያናዊ ሎሬንዞ 1ይ ብምእታው 9 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ። ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ስቲፋኖ 2ይ ኮይኑ 4 ነጥቢ ወሲዱ።

ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ሕጅውን ስፓኛዊ ጁዋን ፔድሮ ሎፔዝ ቀዳማይ ኮይኑ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋሎ፡ ኢኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ሪቻርድ ካልኣይ ከምኡውን ፓርቹጋላዊ ጁዋ ኣልሜዳ 3ይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ፡፡

 ጂሮዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ዓርቢ ዕለት 20 ግንቦት ብመበል 13 መድረኽ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ።