ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ፣ ብዝሒ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ናይ ዝነብሩ ስደተኛታት ብከባቢ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛየደ፡ ወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ማማዱ ዲያን ሓቢሩ።
እቲ ወኪል ኣብ ሓበሬታኡ፡ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2018 ካብ ዝጅምር ፡ ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ካብተን ኪዕጸዋ እንዳተባህላ ዝተደብደባ መዓስከራት ሺመልባን ሕጻጽን ድማ ብፍላይ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኪዉሕዝ ምጽንሑ ጠቒሱ ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሰሪቱ ብዘሎ ምጥቕቓዕ እዉን ቀሊል ዘይኮነ ብዝሒ ነበርቲ እታ ክልል ናብ ኣዲስ-ኣበባ ከብል ከምዝተራእየ ኣረዲኡ።
ኣቐዲሙ ኣስታት 30 ሽሕ ጥራይ ዝነበረ ብዝሒ ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ልዕሊ 80 ሽሕ ዓሪጉ ከምዘሎ ዘመልከተ ኣቶ ማማዱ ዲያን ፣ UNHCR ይኹን ኢትዮጵያያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን (ARRA) ፡ ነቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዓጻጺፉ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ኸተኣናግዱ ይጽገሙ ምህላዎም ኣረዲኡ።
ብኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ክልላት እታ ሃገር ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዉሒድዎ ይሽገር ምህላዉ ዝሕበር UNHCR ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ምስ መሻርኽቲ ኮይኑ ንልዕሊ 1.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ ዜጋታት፡ ስደተኛታትን ተመለስቲን ንምግልጋል ይሃልኽ ከምዘሎ እዩ ዝጠርዕ።
ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ኣብ’ዚ ዓመት 205.4 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ጠሊቡ ዝነበረ UNHCR፡ ዛጊት 15 ሚእታዊት ካብኡ ማለት 31.2 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ተቐቢሉ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ንዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራዉያን ዝኾኑ ብጠቕላላ 97,421 ስደተኛታት ሓለፋ ጸልዩ ምህላዉ