ሓድሽ ተርእዮ ሕማም ፖልዮ ድሮ ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ምህላዉ፡ ኣፍሪቃዊ ማእከል ንምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሎሚ 19 ግንቦት ኣተሓሳሲቡ።

ካብቲ ሕማም ን30 ዓመታት ተገላጊላ ምጽናሓ እትገልጽ ማላዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንመልመስቲ ሓንቲ ብጠንቂ’ቲ ሕማም ዝኾነ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን ከምዘረጋገጸት ዝሓበረ እቲ ማእከል፡ ሎሚ ቅነ እዉን ተርእዮ እቲ ቀታሊን ኣልማሲን ቫይረስ ኣብ ሞዛምቢክ ተመዝጊቡ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣጓኒፉ ዘሎ ተርእዮ ተመሳሳሊ ምዃኑ ዝገልጸ ሓላፊ እቲ ማእከል ኣሕመድ ኦዌል ኦማ ፡  እዚ – ነቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ብምግልጋላ ክዕለለሉ ዝጸንሐ ዓወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብ 2020 ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ሕማም ፖልዮ ነጻ ኮይና ተባሂሉ ነይሩ’ዩ።

ብቐንዱ፡ ብቀልቀል ዝመሓላለፍ  እቲ ሕማም ዓመታዊ ንህይወትን ኣካልን ዓሰረታት ኣሽሓት ኣፍሪቃዉያን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።  ዛጊት ነቲ ሕማም ጠቕሊሉ ዝፍዉስ ርኽበት እኳ እንተዘየለ፡ ንምግታኡ ኣብ ዘኽእል ክታበት ዝተገብረ ሓያል ወፍሪን ተጠቃምነትን ግን ፡ ተርእዮም ስግኣትን እቲ ሕማም ኬኽትም ተቓሪቡ ምጽንሑ ይንገር።