ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ሃገሩ ንዉዕል ኣልጀርስ ዳግም ትፍትሾን ኣርባሕነቱ ንምጥላል ትሰርሕን ከምዘላ ገሊጹ’ሎ።
እቲ በዓል ስልጣን ናብ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ ጸብጻብ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኽትከዶ እትሕልን ጎደና ዘሳልይ ከምዝኸዉን ንምርግጋጽ ፡ ዘድሊ መጽናዕትታት በብዝምልከቶም ኣካላት ይካየድ ከምዘሎ እዩ ተዛሪቡ ።
ትሕቲ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝለዓለ ስልጣን ኣኪቡ ዘሎ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ መንግስቱ ብዛዕባ እቲ ዉዕል ዕቃቤታት ከምዘለዎ ዘፍእም መግለጺ ኪህብ ምድፋሩ፣ ኪንዮ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ሞንጎ እዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህግደፍን ገዚፍ ጎነጽ ኪህሉ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።
ቅድሚ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበረ ስርዓት፣ ትሕዞታት ዉዕል ኣልጀርስ ምምሕያሻት ኪግበረሎምን ተወሳኺ ዘተ ኽካተተሉን ስለዝጸውዔ ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህዉ ብዙሕ ከምተእኸስረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ብዘይፍለ ንነጥብታት እቲ ዉዕል ኽፍትሽን ኣርባሕነቱ ኽግምግምን ምጅማሩ ፣ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን መዘዙ ከምዘይጸንቀቐ ዘርእይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ድሕረ መፋርቕ 2018 ዝተሓንጠጠ ወገናዊ ስምምዕ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፣ ከም ኩሎም ዘስፈሮም ነጥባታት፡ ንትግባሬ ስምምዕ ኣለጀርስ ብዝምልከት – ከመይ ዝመስሉ መርሓታት ከምእተሓንጸጹ ኣይፍለጥን።