ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 13 መድረኽ ጂሮ ዲ‘ኢጣልያ፡ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዲማር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ጀርመናዊ ተቐዳዳማይ ፊል 2ይ ኮይኑ ክኣቱ እንከሎ፡ ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ካቫንዲሽ 3ይ ደረጃ ሒዙ።
150 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ እዚ መድረኽ፡ ኣብ 43.7 ኪ.ሜ ኣብ መወዳእታን 2 ናይ ነጥቢ፡ ኣብ 54.1 ኪ.ሜ ድማ ሓደ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ዝሓቖፈ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 43.7 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኢጣላዊ ፊሊፖ ታግሊያኒ ቀዳማይ ብምዃን 12 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 54.1 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ድማ፡ ሆላንዳዊ ፓስካል ቀዳማይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ወሲዱ።
ፈረንሳዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ሮሜይን ባርዴ፡ ትማሊ ኣብ ጸወታ ሕማም ኣጋጢምዎ ኔሩ። ትማል ለይቲውን ገዲድዎ ሓዲሩ’ኳ እንተነበረ፡ ጸወታ ከቋርጽ ከይመረጸ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መበል 13 መድረኽ ተሳቲፉ። እንተኾነ፡ እቲ ሕማም ዝግ ክብሎ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ሞንጎ ጸወታ ከቛርጽ ተገዲዱ ኢዩ።
ኣብ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሕጂውን ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ሎፔዝ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ሮዛ ማልያ ክዕቅባ ከሎ፡ ኢኳዶታዊ ተቐዳዳማይ ሪቻርድ ካርፓዝ ካልኣይ፡ ከምኡውን ፓርቹጋላዊ ተቐዳዳማይ ኣልመዳ 3ይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።
ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር፡ ኣርናውድ ዲማር 238 ነጥቢ ቀዳማይ ክኸውን’ከሎ፡ ካቫንዲሽ ብ121 ነጥቢ 2ይ ኮይኑ ይስዕቦ። ዲማር ምስ ካልኣይ ዘለዎ ፍልልይ፡ ልዕሊ ሚእቲ ነጥቢ ብምግባር፡ ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ሊላ ማልያ ምዃን ዳርጋ ኣፍሊጡ ኢዩ። ተሪፉ ዘሎ መድረኻት፡ ናይ ጎቦ ውድድራት ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር ብዙሕ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት የለን።
ጽባሕ ቀዳም መበል 14 መድረኽ ጂሮ ዲ‘ኢጣልያ 147 ኪ.ሜ ብዝሽፍን ናይ ዓቐበት ጸወታ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ–ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ።