ርዋንዳ ነቶም ኣብ ቀዳማይ እግሪ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሃገራ ዝግዕዙ 50 ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ምዝዛም እዚ ወርሒ’ዚ ኽትርከቦም ከምትኽል ትሕብር ኣላ። ምክትል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ርዋንዳ ብ19 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሃገሩ ነቶም ተመላሶ ንምትእንጋድ ምድላዋት ኣጻፊፋ ትጽበዮም ከምዘላ እዩ ኣረዲኡ።
“ረኺብናዮ ብዘላና ሓበሬታ መሰረት ፡ ቀዳመይቲ ጉጅለ ተመላሶ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ወርሒ ኪትመጽ’ያ ዝብል’ዩ፣ ብዝሕን ዕለተ-ምምጻእን ናይ’ቶም ንርከቦም ተመለስቲ ብልክዕ ዝፈልጥ ግና መንግስቲ ብሪጣንያ እዩ” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል ፣ ተመለስቲ ናብ ኢድ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ ተረከቡ ጉዳዮም ተጻርዩ ሕጋዉያን ዑቕበኛታት ምስ ኮኑ ፡ ናብ ህዝቢ ርዋንዳ ተጸንቢሮም ኪነብሩን ብዘይቀይዲ ኪሰርሑን ኪፍቀደሎም ምዃኑ እዩ ኣብሪሁ።
ኣብ’ቲ ዕለት ፡ ሓያለ ጋዜጠኛታት ብሰብስልጣን መንግስቲ ርዋንዳ ተሰንዮም ናብ’ቶም ንተመለስቲ ንግዜኡ ከዕቅሉ ተባሂሎም ዝተሓዝኡ ትካላት መዕረፊ ኣጋይሽ በጺሖም ከምተዓዘቡ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ክሳብ ጉዳዮም ተጻርዩ ከም ዑቕበኛታት ዝረኣዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ተመላሲ ንለይቲ ልዕሊ 60 ዶላር ኣመሪካ እንዳተኸፍለሉ ኣብ’ተን ትካላት ከዒርፍ ክጸንሕ ምዃኑ እዉን ይንገር።
ርዋንዳ ነዚ ትገልጽ ዘላ ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ሕጊ ጸንቢርዎ ዘሎ ግዱድ ምምላስ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ንኣህጉራዊ ዉዕላት ስደተኛታትን ሰብኣዉነትን ዝግህስ እዩ ተባሂሉ ካብ ተሓለቕቲ ትካላት ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ ዘሎ ቅንያት እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝግዕዙ ተመለስቲ ረኺቡ ናብ ርዋንዳ ዘምርሖም በረራ ተሰሪዑ ከምዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጥዎም እዩ።
ሓድሽ ዉዕል ብሪጣንያን ርዋንዳን ፣ ብፍላይ ንኤርትራዉያንን፡ ጎረባብቲ ርዋንዳ ካብ ዝኾና ሃገራት ዘምለጡን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚሙ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።
መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ’ታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ፣ ብጉዳይ ዝተራቀቚ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸሰሳ ርዋንዳ ከምዚ ዓይነት ዉዕል ምኽታሙ ፣ ብስም ሰባኣዉነት ንዝጻወቶ ምስሉይነት ዘቃልዕ ከምዝኾነ እዉን ዝተፈላለዩ ወገናት ኪወቕሱ ጸኒሖም ኣለዉ።