ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 14 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ሳይሞን ያተስ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ተዓዋቲ ቮልታ ስፓኛ 2018፡ ተዓዋቲ ዙር ኣልፕስ 2021፡ ሹድሽተ ጊዜ ተዓዋቲ መድረኽ ቱር’ዲ ፍራንስ ካልኦትን ዓወታት ዝተጎናጸፈ ያተስ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ካብዞም ብጊዜ ዝመርሑ ተጻወቲ ስለዘይኾነ ሃዲሙ ክዕወት ክኢሉ ኢዩ።
ብናይ ጊዜ ዝመርሕ ዝነበረ ስፓኛዊ ጁዋን ፔድሮ ሎፔዝ፡ ኣብዚ ብዙሕ ዓቐበት ዝነበሮ ናይ ሎሚ ውድድር፡ 4 ደቒቕን 25 ካልኢት ደንጉዩ ስለዘረከበ፡ ነታ ሮዛ ማልያ ን ኤኳዶራዊ ሪቻርድ ኣረኪብዎ ኣሎ።
ክልተ ጊዜ ተዓዋቲ ጂሮ’ዲ ኢጣልያን ተዓዋቲ ቱር’ዲ ፍራንስ 2014 ዝኾነ ወዲ 37 ዓመት ጣሊያናዊ ቪቼንዞ ኒባሊ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ኣብ ናይ ውሁሉል ናይ ጊዜ ውድድር (General Classification)፡ 5 ደረጃታት ብምምሕያሽ መበል 8ይ ኮይኑ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብዚ 147 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ብዙሓት ተረርቲ ዓቐበት ዝሓዝን ኣብ ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ተርታ ፍልልይ ከምጽእ ዝኽእል ጸወታ ከምዝኸንዓቕሙ ተገሚቱ ኔሩ።
ኣብ 76.2 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ቮላታ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኦስካር ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ወሲዱ።
ተቐዳደምቲ ኣብ 43.3 ኪ.ሜ፡ ኣብ 83.2 ኪ.ሜ፡ ኣብ 98.7 ኪ.ሜ፡ ኣብ 119.7 ኪ.ሜ ከሙኡውን ኣብ 135.2 ኪ.ሜ ሓሙሽተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ሮዛ ዲየጎ ቀዳማይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ፡ ሆላንዳዊኢ ተቐዳዳማይ ዊልኮ 1ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሕጂውን ዊልኮ 1ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 4ይ’ቲ ድማ ብጊዜ ዝመርሕ ዘሎ ኢኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ሪቻርድ 1ይ ብምእታው 18 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ።
ኣብ 135.2 ኪ.ሜ፡ ዝተገብረ 5ይን ናይ መወዳእታ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሪቻርድስ ደጊሙ ብምዕዋት18 ነጥቢ ወሲዱ። ሪቻርድ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጸወታ ጥራይ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድር፡ 42 ነጥቢ ክሓፍስ ብምኽኣሉ ደረጅኡ ናብ 4ይ ክብ ከብሎ ክኢሉ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ኤኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ሪቻርድስ ቀዳማይ ክኸው’ኮሎ፡ ኣውስትራሊያዊ ጄይ 2ይ፡ ከምኡውን ፖርቱጋላዊ ተቐዳዳማይ ኣልሜዳ 3ይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።
ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022፡ ጽባሕ ሰንበት ዕለት 22 ግንቦት፡ ኣብ ዓቐበት ዝውዳእ 177 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን መበል 15 መድረኽ ከካይድ ኢዩ። ሕጂዊን ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!