ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ፡ 177 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ መበል 15 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ብዓወት ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ጂልዮ ሲሶነ ተዛዚሙ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣዝዩ ዝድነቕ ብቕዓት ብምርኣይ 7ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። ኣብዚ ጸወታ፡ ናቱ ኣብ ናይ ዓቐበት ውድድር ዘለዎ ዕቑር ክእለት ዘርኣየሉ መድረኽ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብራቮ ናቱ!
ብተወሳኺ ናትናኤል፡ ኣብ ናይ ዓቐበት ውድድር 44 ነጥቢ ብምውህላል መበል 5ይ ኮይኑ ክስራዕ ክኢሉ ኢዩ። ናቱ ኣብዘን ተሪፈንኦ ዘለዋ 6 መድረኻት፡ ፍልልይ ናይ ዓቐበት ከጽብብ እንተኽኢሉ፡ ኣብ ፓዲየም ክድይብ ይኽእል ኢዩ። ናቱ ካብ ሳልሳይ ንጉስ ዓቐበት ዘሎ ኣውስትራልያዊ ተጸዋታይ ጄይ ዘለዎ ናይ ነጥቢ ፍልልይ 18 ጥራይ ኢዩ።
ኣብዚ ተረርቲ ዓቐበት ዝሓዘ ናይ ጎቦ ውድድር፡ ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ጸብለል ዝብሉሉን፡ ዓቕሞም ዝፈተሽሉ ጸወታ ኢዮም ኣካይዶም።
ወዲ 27 ዓመት ሲሶነ ቅድምሕጂ ብዙሕ ክብርታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነዚ መድረኽ ሃዲሙ ብምውዓል ብዓብላሊ ብቕዓት ጸወትኡ ፈጺሙ። ሲሶነ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዓወቱ ሓዊስካ፡ 3 ጊዜ ተዓዋቲ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ኣብ 2019 ተዓዋቲ ንጉስ ዓቐብ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ከምኡውን ካልኦት ዓወታት ዘለዎ ተጻዋታይ ኢዩ።
ኣብ 90.2 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 90.2 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ቤልጄማዊ ዲ ቦንድ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ቫንደን በርግ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።
ተቐዳደምቲ ኣብ 104.7 ኪ.ሜ፡ ኣብ 136.9 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 177 ኪ.ሜ ሰለስተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክሓፍስ’ከሎ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጺዮን ኸኣ 2ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ሲሶነ 1ይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ወሲዱ። እታ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ስለዝነበረት፡ ተዓዋቲ ናይዚ መድረኽ ዝኾነ ሲሶነ 1ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ።
ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ሶኒ ዕለት 23 ግንቦት የዕሪፉ ክውዕል ኢዩ።