ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱን ልኣላዉነቱን ዘለዎ ክብሪ ፡ ምስ’ቲ ብጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ሕስረትን መከራን ከይሓናፈጸ፡ ንመላእ ዓለም የመስክር ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፣ ብፍላይ ድማ ካብ ምልኪ ኣርሒቘም ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናትና ንመዓልቲ ናጽነቶም ሓለፋ ካልእ እዋን ክብዕልዋን፡ ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕርን ናፍቖትን ዘንጸባርቚ ዉዳቤታት ኸካይዱን ምቕናዮም ምንጭታት ኢሪሳት ይሕብሩ ።

ካብ’ቲ ናጽነት ኤርትራ ዘምጽአ ህዝባዊ ሓይሊ ዝተፈንጨለ ጸቢብ ጉጅለ፡ ንተስፋን ራእይን ህዝቢ ኤርትራ ብግህዶ ዓልዩ ፡ ንሕልሚ ሓርነትን ራህዋን ቀቲልዎ ከምዘሎ ዘዘኻከሩ እቶም ምንጭታት ፡ ሕልምን ራእይን ሓዳስ ኤርትራ ክሳዕ ክንደይ በዚ ጸቢብ ጉጅለ ከምዝተቘጽየ ፡ ሕጂ ድሕሪ 31 ዓመታት ናጻነት ነሕልፎን ንነብሮን ዘለና ሕሰም፡ ኲናትን ስደትን ቅሉዕ መረጋገጺ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ኤርትራ ብነጻነቱን ለኣላዉነቱ ተሓቢኑ፡  ብገጢምዎ ዘሎ ዘቤታዊ መግዛእቲ ድማ ሓዚኑ’ኳ እንተሎ፣ ንነጻነትን ልዕልናን ሃገሩ ዘለዎ ክብሪ ግን ምስ’ቲ ነዚ ክብሪ እዚ ክብርዝ ዓሰርተታት ዓመታት ዘየዕረፈ ጉጅለ ህግደፍ ዝምድረሉ ዓይነት ነጻነት ከዛምዶ ኣይተራእየን።

ሓቀኛታት ሃገራዉያን ኩሉ ዓይነታዊ መስዋእትታት ከፊሎም ነጻን ልኣላዊትን ሃገር ክዉንቲ ምግባሮም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዂን እዋን ዘይቅየር ሓቂ ብምዃኑ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ሓቂ እቲ ዓሲሉ  ናይ’ታ  ነጻ ግን ከኣ ሓርነታ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰሪቚ ዘሎ ልኣላዊት ሃገሩ ዕለተ ልደታ ክጽንብል ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን።

ህዝቢ ኤርትራ፡  ነታ ኹሉ ከፊሉ ዘምጸኣ ልኣላዊት ሃገር ልዕሊ እቲ ኩሉ ኣዉፊሩ ከዕንዋ ዝሰርሕ ዘሎ ወገን  ከምዘኽብራን ከምዝሕልዋን፣ እዚ ክብርን ሓበንን እዚ ድማ ዘልኣለማዊ ምዃኑ ብቐጻሊ የመስክር ኣሎ።

ቃልስና ኣንጻር ናጽነትን ልዕልናን ሃገርና ዘይኮነ ፣ ኣንጻር እቲ ንሓርነትን ራህዋን ነጻ ኤርትራ ንምቕታል ን31 ዓመታት ተኺሉ ዝሰርሕ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ኪኸዉን ከምዝግባእ ዘዘኻከሩ ምንጭታት ኤሪሳት ኣብ መወዳኣታ፣ ነቲ ንናጻነት ኩሉንትናኡ ከፊሉ፣ ንዝተሰርቈ ሓርነት ኪመልስ ገና ኣብ መስዋእቲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ዓወት ተመንዮም።