ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፍሩያት ወተሃደራዉያን ሰብ ስልጣን ሓይልታት ኣምሓራ ርኡይ ጸቕጥታት ኪገብር እንዳተራእየ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኣሽሓት ምሩኻት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምፍናዎም ፣ ነቲ “እቶም ክልተ ወገናት ሕድገታት ዝበዝሖ ምቅርራባት ከርእዩ ጸኒሖም እዮም” ዝብል ጥርጣረ ናብ ሓቂ ዘቃርብ ኮይኑ ኣሎ።

ድሕሪ ሃንደበታዊ ምስሓብ ካብ ከተማ መቐለ ፡ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ከምኡ’ዉን ምስ ህግደፍ ዝነበሮ ዝምድና ከሐርፍፍ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ፣ ነቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ካብ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ኪዘንቦ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቕጻዕቲታት ኪጻወሮ ስለዘይከኣለ ፡ ኣብ’ቶም ብኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣመሪካን ብምንገዲታት ፍሉያት ልኡኻት ዝቕጽሉ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ዝተባህሎ ክሰምዕ ይግደድ ምህላዉ እዩ ኪዝረብ ጸኒሑ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ፣ ወልቃዪት፣ ጸገዴ፣ ሑመራንን ካልኦት ከባቢታት ክልል ዓፋርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኸካይዱ ይዳለዉ ኣሎ እንዳተባህለ ፣ ከባቢ 4,000 ምሩኻት ኪፍንዉ እንከለዉ ፣ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቶም ሓይልታትን ኽዝረበሉ ዝጸንሐ ሓደጋታት ግርጭት ፍጹም ሓሶት ምዃኑን፣ ንሓይልታት ኣምሓራ ከምኡው’ን ህግደፍ ግጉይ ግምታት ሒዞም ኪጸንሑ ንምግባር ዝሓለነ ከይኮነ ከምዘይተርፍን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ህግደፍ ምስ’ቶም ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠሊምና ኢና ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራ ወጊኑ ኩሉዓይነታዊ ሓገዛት ኪቕርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ኣምሓራ ኣገዳስነት ዘለዎም ፍሉጣት መራሕቲ እንዳጨወየን እንዳኣሰረን ገዛእነቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይልታት ንምርግጋጽ ኣብ ሓድሽ ወፍሪ ከምዝርከብ ይሕበር።

በዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባሌታት ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ድሕሪት ክመጾም ዝኽል ስግኣት ከምዘይህሉ ንምርግጋጽን ፡ ኢድ ንምሕላፍን  ኣሽሓት ምሩኻት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈነዉ ከምዝመስል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብወገኑ ነቶም ምስ ህግደፍ ወጊኖም ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ምእዙዛት ንምግባር ረቀቕጢ ጸወታታት የቃንዕ ከይህሉ እዩ ልዑል ግምት ዘሎ።

ኩሎም ተሳተፍቲ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ምክሳስ ትዂተኻ ሓድሽ ኲናት ቀንዮም ክንሶም ፣ ሓይልታት ትግራይ ብሽምግልና ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣሽሓት ምሩኻት ለቒቖም ኪትሰምዕ ፣ ብዉሽጢ ዉሽጢ ንዝኸዱ ዘለዉ ረቀቕቲ ጸወታታት ዘመላኽት ጥራይ ዘይኮነ፣ ተሰጊእሉ ዘሎ ሓድሽ ኲናት -መን ምስ መን ወጊኑ ከምዝኣትዎ እዉን ንምፍላጥ ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ።