ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ምልሻ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ጀሚርምዎ ዘለዉ ናይ ምልቃም ስርሒት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዛጊት ልዕሊ 4,000 ተወላዶ ብሄር ኣምሓራ ተዳጒኖም ምህላዎም ኣሶሼትድ ፕረስ ንማዕከናት ዜና እታ ክልል ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካብ ተማእዛዝነት መንግስቲ ወጽዮም ብረቶም ምርካብ ዝሓንገዱ ገለ ናይ ምልሻ ኣሃዱታት እታ ክልል ፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ቀጻሊ ይህደኑን ይዳቐቚን ከምዘለዉ ኪዝረብ ቀንዩ እዩ።

ምስ ህግደፍ ወጊኖም ምህላዎም ዝንገረሎም ሓይልታት ኣምሓራ ፣ ብማእከላይ መንግስቲ ከምተጠልሙ፣ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሕድገታት ድማ ልክዑ ሓሊፍዎ ከምዘሎ ይኸሱ ምህላዎም ኣይርሳዕን።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ፣ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ብፍሉይ ናብ ገለ ናይ ምልሻ ክፍልታት ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዘነጻጸረ ዝመስል ትዕዝብትታትን መጠንቀቕታታትን ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ፡ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ናብ ዘይወግዓዉያን ዕጡቓት ሓይልታት ዘድሃቡ ኣረምቲ ስጒምትታት ሰሪዒ ከምዘሎ ብምጥንቃቕ፣  ንሰለስተ ናይ ምልሻ ክፍልታት ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ጠቒሱ ነይሩ ።

እቲ ናይ ሽዑ መጠንቀቕታን መፈራርሂን፣ ነቶም ኣብ ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ዝነበሮም እምነት በኒኑ፡ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝዉግኑ ዝነበሩ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ መሊሶም ንኸርሕቚ ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾኖም ይንገር።

ኣብ መሳርዕ ምልሻታት ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ወሰኽን ዘይሕጋዊ ሸመተን ብረት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሻቒሉ ከምዘሎ እዩ ኽግለጽ ጸኒሑ።