መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል መበል 31 ዓመተ-ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ብዛዕባ ታሪኽ ሓያላት ሃገራትን ዓለማዊ ጂኦፖለቲካዊ ጸወታታትን ከስተምህር ፡ ነየነይቲ ሃገር ይመርሕ ምህላዉ’ዉን ዘረስዕ ኣሰልካዪ መደረ ኣስሚዑ ኣሎ።
ኪንዮ ዞባኣ፣ ኤርትራ ንዝገዘፈ ዓለማዊ ስግኣት ትቃለስ ምህላዋ እንዳሞገተ፡ ብዝሒ ዓመታት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክድምርን ኪመቅልን ዝተሰምዐ እቲ መራሒ፣ ንህዝቢ ኤርትራ – ነዚ ዓለማዊ ስግኣት ኪብድህ ጥራይ እምበር ከም ካልኦት ኣህዛብ ምንባር ዘይተዓደሎ ፍጥረት ኣምሲሉ ብምቕራብ ፡ ህዝብና ገና ኣብ መኸተ ኪጽመድ ከምዝኾነ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ኣብ 31 ዓመታት ናጽነት ዝተመዝገበ ዘነይት ምዕባለ ብዘይምህላዉ፡ ከም ልማዱ ንዞባዉያንን ዓለማዉያንን ኣስጋእቲ እንዳሓመየ ሕመቚ ኪሓብእ ዝፈተነ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ’ዚ ክቡር ዕለት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንመንፋዕቲን ትንሳኤን ሩስያን ቻይናን ከወዓዉዕ መሪጹ ኣሎ።
ብዘለዉን ዝተመስርሑን ሓደጋታትን ስግኣታትን ምኽንያታት ኣንዳቓነየ ፣ “ተጓኒናን ተዓሊቚናን እምበር ሃገራዊ ሕልምናን መሳርዕ ምሕደራናን’ሲ ንህንጸት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝተወፈየ’ዩ ዝነበረ!” እናበለ ዓመት መጸ ዝምድር እቲ መራሒ ፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት መደርኡ’ውን ነቶም ሽምዱዳት ዕላላት ክደግም’ዩ ተራእዩ።
መራሒ ህግደፍ ንጉጅለኡ ኣብ ናይ ተበዳሊ ሸነኽ ኣቐሚጡ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝደገሞም ሓሶታት – ውጹኣት ሓቅታት ኾይኖም ይስምዕዎ ከይህልዉ እዩ ዝስጋእ።