ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ፡ 202 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ መበል 16 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ብዓወት ቼክ ሪፓብሊካዊ ተቐዳዳማይ ጃን ሂርት ተዛዚሙ። እዚ ተዓዋቲ ዙር ኦስትሪያ ዝኾነን ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ወዲ ጋንትኡ ዝኾነ ተጻዋታይ ክለብ ኢንተርማርሼ፡ ሓሙሻይ ቼክ ሪፓብሊካዊ ተዓዋቲ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር 2ይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ ሂንድሊ ጄይ፡ ነቲ በዓል ሮዛ ማልያ መራሒ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ዝኾነ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓስ ቮላታ ስዒሩ 3ይ ኮይኑ ስለዝኣተወ፡ 4 ካልኢት ‘ቦነስ’ ክረክብ ክኢሉ’ሎ።
ኣብዚ ተረርቲ ዓቐበት ዝሓዘ ናይ ጎቦ ውድድር፡ ብዝሽፍኖ ርሕቐትን (distance to cover) በዳሂነቱን (profile score) ኣብ 3ይ ደረጃ ዝስራዕ መድረኽ ኢዩ ኔሩ፡፡ ተቐዳደምቲ ኣዝዮም ዝተፈተኑሉን፡ ኣብ ጊዜ ለውጢ ንምምጻእ ከቢድ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘርኣዩሉን ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ጸወታ ኢዮም ኣካይዶም።
ኢኳዶራዊ ሪቻርድ፡ ኣውስትራሊያዊ ሂንክለይ ጄይ ከምኡውን ብሪጣንያዊ ሳይሞን ያተስ ክዕወቱ ዓቢ ግምት ካብ ዝተዋህቦም ተቐዳደምቲ ኢዮም ኔሮም።
ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ብዘርኣዮ ጸወታ ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበ ወዲ 42 ዓመት ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ኣሌክሳንድሮ ቫልቨርደ፡ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ጸወትኡ ዛዚሙ። ቫልቨርደ ካብቶም ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ብዙሕ ክብርታት ዘለዎን፡ ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ ናይ ግራንድ ቱር ውድድራት ሓያል ተወዳዳርን ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኢዩ።
ቅድሚ ሕጂ ቫልቨርደ፡ 12 ጊዜ ተዓዋቲ መድረኽ ቮልታ ስፓኛ፡ 3 ጊዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ካታሎኒያ፡ 1 ጊዜ ተዓዋቲ ጊዜ (ቀይሕ ማልያ) ቮልታ ስፓኛ፡ 4 ጊዜ ተዓዋቲ መድረኽ ቱር’ዲ ፍራንስን ካልኦት ብዙሕ ዓወታት ዘለዎ ተቀዳማይ ኢዩ።
ክልተ ጊዜ ተዓዋቲ ጂሮ’ዲ ኢጣልያን ተዓዋቲ ቱር’ዲ ፍራንስ 2014 ዝኾነ ወዲ 37 ዓመት ጣሊያናዊ ቪቼንዞ ኒባሊ፡ 9ይ ደረጃ ብምሓዝ ጸወትኡ ዛዚሙ።
ኣብ 112.6 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 112.6 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሆላንዳዊ ኮን ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ስፓኛዊ ተቐዳዳማይ ቫልቨርደ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።
ተቐዳደምቲ ኣብ 59.2 ኪ.ሜ፡ ኣብ 129.9 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 195.8 ኪ.ሜ ሰለስተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳሊሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮዲ ኢጣልያ ጽቡቕ ጸወታ ዘሪኢ ዘሎን፡ ተዓዋቲ መድረኽ 15 ዝኾነን ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ጂልዮ ሲሶነ ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክሓፍስ’ከሎ፡ ብናይ ዓቐበት ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን ኸኣ 2ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን 1ይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ቼክ ሪፓብሊካዊ ጃን ሂርት ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ወሲዱ።
ኤኳዶሪያዊ ተቐዳዳማይ ሪቻርድ ካራፓዝ፡ ሕጂውን ብጊዜ ቀዳማይ ኮይኑ ነታ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋ ኣሎ። ምስቲ ካልኣይ ዘሎ ኣውስትራሊያዊ ሂንድሌይ ጄይ ዘለዎም ናይ ጊዜ ፍልልይ 3 ካልኢት ጥራይ ስልዝኾነ፡ ነቲ ዝቕጽል ጸወታታት ኣዝዩ መሳጢ ጌርዎ ኣሎ።
ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ረቡዕ ዕለት 25 ግንቦት፡ 168 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ኣብ ከባቢ መወዳእታ ትርር ዝበላ ዓቐበት ብዘለዎ መድረኽ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!