ኣብ ስደት ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ፣ ‘ ትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት’  ዝሰመይዎ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘቘሙ ኣዊጆም።

እቲ ብናይ ሓባር ታሪኽ ዘለዎም ነባራት ተጋደልቲ ዝቘመ ሓድሽ ምንቅስቓስ ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ መግለጺ፣ ሃረርታ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ስኢሉ ንስራሕ ድልዊ ብምግባር ፡ ቈሪጹ ተላዒሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ናብ ቃልስን ህጹጽ ምምስራት ቅዋማዊ ስርዓትን ዝደረኾ ምኽምንያት ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወርድ ዘሎ ዘይጽወር መከራን፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ  ዘሎ ኣካይዳታት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ስለዘስከፎን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ምንቅስቓስ ፣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝኾኑ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ሓቢሩ ንምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኽቃልስ ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

“ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ: እቲ ዝግባእ ናጽነት ኣምጺእና ክነብቅዕ: ኣብ ህንጸት ሓርነታዊ ጉዕዞ ግን ኣይተዓወትናን: በዚ ክኣ ዘይተኸፍለ ዕዳ ከም ዘለና ንኣምን:” ዝበለ እቲ ምንቅስቓስ ፣ ዕዳኡ ኪኸፍል ተበጊሱ ምህላዉ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዘጥፍእን ዝስውርን፡ ብዘይ ሕጊ ዝኣስርን፡ ከምኡ’ዉን ህዝቢ ዝብትንን ዘፈናቕልን ዘሎ ኣዕናዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ሓንቲ ቅዋማዊት ሃገር ብምምስራት ጥራይ ሓርነት ህዝቢ ክረጋገጽ ምዃኑ ከምዝኣምን ዘተሓሳሰበ ‘ምንቅስቓስ ትንሳኤ ህ.ግ.ሓ.ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት’ ፣ ምስ ኩሉ ኣብ ሃገር ራህዋን ስርዓተ-ሕጊን ክሰምር ዝቃለስ ዘሎ ሃገራዊ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ንምዉዳቕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዕዙዝ ተሳትፎ ንኸርኢ ልዑል እምነት ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ‘ምንቅስቓስ ትንሳኤ ህ.ግ.ሓ.ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት’  ፣ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ እዉን ካብ’ቲ ዘየድሊ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ወጺኡ፡ ነቲ ጠንቂ ጥፍኣትን ሕሰምን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ምውጋድ ግቡኡ ክፍጽም ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

“ትንሳኤ ህ.ግ.ሓ.ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት”  ወሲኹ፣ ካልኦት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ፖሊስ ኤርትራ፡ ተዳናገጽቲ ህግደፍ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ኩለን ሚንስትሪታት ዘለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ’ዚ ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን ነቒሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ኽደጋገፉ ጸዊዑ ኣሎ።

 

“ትንሳኤ ህ.ግ.ሓ.ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት” ኣብ መወዳእታ ፣ ነዚ ኣብ ስደት ዘለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ምስ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከቡ ብጾቶም ሓቢሮም ሃገር ከድሕኑን ዝተረፎም ዕዳ ኪኸፍሉን ንምኽኣል ዝሕልን መድረኽ ምንቅስቓስ ኩሉ ሃገራዊ ብግብሪ ክሳተፈሉ ብምጽዋዕ፣ ብፍላይ ተረካቢ ሕድሪ ንኡስ ወለዶ ነዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ ብዋንነት ክጽንበሮ ተላብዩ።