ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 17 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ኮሎምቢያዊ ተቐዳዳማይ ሳንቲያጎ ቡትራጎ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ብ24 ግንቦት ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ቼክ ሪፖብሊካዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርሼ ጃን ሂርት 3ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ።

ኣብቲ 168 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ተረርቲ ዓቐበት ዝሓዝን ንናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ዓቕሞም ዝፍትሽሉ ውድድር ኢዩ ኔሩ።

ኣብ 121.8 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 121.8 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ፈረንሳዊ ማርቲን ጊላሜ 1ይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ኦስትርያዊ ተቐዳዳማይ ጋል ፌሊክስ ድማ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።

ተቐዳደምቲ ኣብ 85.8 ኪ.ሜ፡ ኣብ 134.4 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 160.1 ኪ.ሜ፡ ሰለስተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር ሆላንዳዊ ኮን ቦውማን ቀዳማይ ኮይዩ 40 ነጥቢ ፣ ኣብ 2ይቲ ድማ ሆላንዳዊ ኮን ቦውማን ቀዳማይ ኮይዩ 9 ነጥቢ ወሲዶም። ኣብ 3ይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኮሎምቢያዊ ተቐዳዳማይ ሳንቲያጎ 1ይ ብምእታው 40 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ’ሎ።

ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ሕጅውን ኤኳዶራዊ ካራፓዝ ቀዳማይ ኮይኑ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋ’ሎ፡፡ ኣውስትራሊያዊ ሂንድሊይ ጄይ 2ይ ደረጃ ክሕዝ’ከሎ፡ ስፓኛዊ ላንዳ ሚኬኤል 1 ደረጃ ኣማሓይሹ 3ይ ኮይኑ’ሎ።

ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 26 ግንቦት 156 ኪ.ሜ ብዝሽፈን መበል 18 መድረኽ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!