ኣብ ደቡባዊምዕራብ ኤርትራ ወርቂን ክቡር ሓጻዉንን ክድህስስ ኣብ 2018 ፍቓድ ዝረኸበ ካናዳዊ ኩባንያ ኣልፋ፡ ኣብ ከባቢ ኣቡርና ናይ ንኡስ-ዞባ ጎኘ ወርቂ ከምዝረኽበ ሓቢሩ።

“ከርካሻ ፕሮጀክት” ኣብ ዝሰመዮ ወፍሩ ዳህሳሳዊ ንጥፈታት ኸቃንዕ ዝርከብ እቲ ኩባንያ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ’ቲ ን771 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ፕሮጀክት ፡ ወርቂ ክህልዎም ንዝኽእል ከባቢታት ኣብ ምድህሳስን ኣብ ምሕዛእን ከምዝጸንሐ ፣ ኣብ’ዚ ናይ ከባቢ ኣቡርና ናይ ፈለማ ገጽ ድህሰሳኡ ድማ – ካብተም ትሕዝቶ ወርቂ እቲ ከባቢ ንምርግጋጽ ኢድ ኣመልኪቱለን ዝነበረ 19 ከባቢታት እተን 17 እወታዊ ዉጽኢት ከምዝረኸበለን ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ናይ ዳህሳስ ኩባንያ፡ ስራሑ ካብ ዝጅምር ድሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ዓናጉሉን ተሎግመጃን ተመሳሳሊ  ውጽኢት ኣቃኒዑ ጸኒሑ’ዩ።

ከባቢታት ኣቡርና፡ ዓናግሉን ተሎግመጃን ገለ ካብቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ዳህሳስን መጽናዕትን ተኻይድሎምን መባእታዊ ዕደና ተጀሚርሎምን ነይሩ ዝበሃሉ ሸነኻት ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ኮይኖም፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት እዉን ኣብ ያታዊ ዕደና ኪወፍሩ ይረኣዩ  ምንባሮም ይንገር።

ከም ኣብ ኩሎም መዳያት፣ ንዕደናን ሃገራዊ ግምጃን ኣመልኪቶም ብዛዕባ ዝእተዉ ዉዕላት ንህዝቢ ዝኾነ መግለጺ ኪህብ ዘይፈቱ ጉጅለ ህግደፍ፣ ካብ 1997 ጀሚሩ ብምስጢር ካብ ዝስረሓሉ ዘሎ ጽላት ዕደና ዝረከብ ልዑል መጠን ገንዘብ ናበይ ከምዘብል ዝፈልጡ  – መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ጉዳያት ህግደፍ ጥራይ ከምዝኾኑ ይሕበር።

ካብ መሬትን ባሕሪን ዝምጾ ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ኤርትራ ፣ ምንጪ ዝለዓለ ብርኪ ምዕባሌ ኪኸዉን ዝኽእል ገንዘባዊ ኣታዊ እንዳተረኽቦ፣ ህግደፍ እገዳን ኲናትን እንዳመሳመሰ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ዝደሓረ ደረጃ ህላዌ ሰንድዩዎም ይርከብ።

ከም ኣብነት ኪኸዉን ፣ ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ ኣብ ለካቲት 2011 ካብ ዝጅምር ክሳብ 2014 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ብጠቕላላ 1.8 ቢልዮን  ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ቅድሚ ቀረጽ ገይሩ ነይሩ። ካብዚ እቲ 60 ሚእታዊት ናብ ኩባንያ ነቭሱን፡  እቲ 834.8 ሚልዮን ዶላር ምቅሊት ናብ ኩባንያ ማዕድን ኤርትራ (ENAMCO Share) ካልእ 88.9 ሚልዮን ዶላር ቀጥታዊ ግብሪ ንመንግስቲ ኤርትራ ፣ 14.4 ሚልዮን ዶላር ድማ ንምምሕዳራዊ ወጻኢታት ምዉዓሉ ኩባንያ ኔቭሱን ኣብ’ቲ ናይ ሽዑ ሒሳባዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ነይሩ።