ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 156 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ቁልቁለት ዝበዝሖ ናይ ጎልጎል ቅድድም ብሽክሌታ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ መበል 18 መድረኽ፡ ቤልጂየማዊ ተቐዳዳማይ ዲ’ቦንድ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ዲ’ቦንድ 4ይ ርእሱ ኾይኑ ድሕሪ ምህዳሙ ኢዩ ቮላታ ክዕወት ዝኸኣለ።
ዓባይ ጉጅለ ኣብ ዝገበረቶ ቕጽበታዊ ቮላታ፡ ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ዳኒሰ ኣልቤርቶ ን ዲማር ቀዲሙ 5 ደረጃ ሒዙ ኣትዩ። ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ካቫንዲሽ መበል 8ይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር 4ይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ፓርቱጋልያዊ ጃዎ ኣልመዳ፡ ኮቪድ ቫይረስ ስለዝተረኽቦ ካብዚ ጸወታ ክእለ ተገዲዱ።
ኣብ መበል 24.6 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ቤልጂየማዊ ተቐዳዳማይ ዲ’ቦንድ ቀዳማይ ኮይኑ 3 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 72.6 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ቮላታ ድማ፡ ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ዴቪድ ጋቡሮ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ወሲዱ።
ኣብ 102 ኪ.ሜ ዝተገብረ ካልኣይ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ቮላታ፡ ቤልጂየማዊ ተቐዳዳማይ ዲ’ቦንድ ደጊሙ ቀዳማይ ብምኻን 3 ነጥቢ ወሲዱ።
ኣብናይ ጊዜን ነጥብን ውድድር ዝተርኣየ ናይ ደረጃ ለውጢ የለን።
ጽባሕ ዕለት 27 ግንቦት፡ መበል 19 መድረክ ጂ’ሮዲ ኢጣልያ፡ 178 ኪ.ሜ ርሕቐት ብዝሽፍን ኣብ ኣቐበት ዝውዳኣ ውድድር ክካየድ ኢዩ። ሕጅውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!