ንጉጅለ ህግደፍ ሓሚኹምን ወቒስኩምን ተባሂሎም ብናይ እምባጋሮ ኣሃዱታት እቲ ጉጅለ ናይ ዝጥቅዑን ዝቕተሉን ዘለዉ ዜጋታትና ቊጽሪ ይዛይድ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፡ ንገለ ኣዝዮም ነኣሽቱ መንእሰያት ወዲበን ኣብ ክትራንን እምባጋሮን ኪወፍራ ዝተኸትባ ኣሃዱታት፡ ኣብ ዒላማ ህግደፍ ንዛኣተዉ ተራን ሓለፍቲን ዉልቀሰባት ብብዝሒ ኸጥቅዓ ይርአ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዘን ብፖሊስ ይዂን ካልኦት ክፍልታት ጸጥታ ዘይሕተታን ዘይቅየዳን ናይ እምባጋሮ ጉጅለታት ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ዒላማ ህግደፍ ኣትዮም ካብ መግረፍቲ ክሳዕ መቕተልቲ ዝኸይድ ስጒምቲ ኪዉሰደሎም ዝሕሰብ ዉልቀሰባት ፣ድገንታዊ ኣብ ዝመስሉ ኣጋጣሚታት ተልእኾአን ይፍጽማ ከምዘለዋ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብመጥቃዕትታት እተን ጉጅለታት ከቢድ ኣካላዊ ሃስያ በጺሕዎም ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝዕቈቡ ዜጋታትና ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዉስኽ ከምዘሎ፣ ድሒሮም ህይወቶም ዝስእኑ’ዉን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዘይ’ካ እዚ ፡ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ብሰላም ንኽበዓል ብዝብል ልዑል ቊጽሪ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ሓያለ ከተማታት ኣዉፊሩ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፣ ብዘይካ’ቶም ሓሓሊፉ ኸካይዶ ዝጸንሐ ግፋታት ፣ ብኣወዳድባኡን ስፍሓቱን ፍሉይ ዝኾነ ኣላማሚ ግፋ ንምክያድ መዲቡ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን መጸዋዕታን ፣ ቅንያት በዓል ናጽነት ክሳብ ዝሓልፍ ዘሊቚ ምጽንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፣ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝቕጽል ምልቃም መንእሰያት ኣብ ሓያለ ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ከምዝህሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ ።