ከም’ቶም ብመላኽነቶም ጠንቂ ጸጥታዊ ቅልውላዋትን ስግኣታትን ዞባን ዓለምን ዝኾኑ ዘለዉ መራሕቲ ሩስያን ሰሜን ኮርያን፣ ኣብ ኤርትራ እዉን ኣደብ ከምዝሕዝ ክግበር ዘድሊዮ መራሒ ከምዘሎ፡ መጽሄት ዘ ኢኮኖሚስት ብ26 ግንቦት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣተሓሳሲቡ።

በቲ መራሒ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግህሰታት ዝዘርዘረ እቲ መጽሄት፣ ካብ ዉልቃዊ ነጻነታት ክሳብ ፖለቲካዊ መሰላት ኩሎም ዜጋታት ተዓምጺጾም፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ኣብ መዳጎኒ ማኣከላት ይሳቐዩ ምህላዎም ጠቕሲሱ፣ ግዱድ ዕስክርና፡ ከምኡ’ዉን ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊን ጉልበታዊን ኣገልግሎታት ንመነባብሮ ዜጋታት ኤርትራ ኣሕሲሙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ኪንዮ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ሕሰም፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እዉን ብድሎን ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት እንዳመወለን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸይረግእ ብመሪሕነት ይዋስኡ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ምዃኑ ዘ ኢኮኖሚስት ኣነጺሩ ኣሎ።

ኣቲ መራሒ ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ተጋጭዩን ይጋጮን ምህላዉ ዘዘኻኸረ እቲ መጽሄት  ፡ ካብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ክርሕቕ ይመርጽ ብዘይምህላዉ እዉን ፡ እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ኸይርከቦ ካብ ቀዳሞት ዕንቅፋታት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ ዝተወስዱን ዝዉሰዱን ዘለዉ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን መቕጻዕትታት ዛጊት ዝጭበጥ ፍታሕ ከምዘየምጽኡ ዘተሓሳሰበ እቲ መጽሄት፣ እቲ መራሒን ጉጅለኡን ኣደብ ኪሕዙ ኣንተኾይኖም ዝተረሩ ተወሰኽቲ እገዳታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ሃገራት ኣቲ ዞባ ሓቢረን ዝወስድኦ ስጒምቲ እዉን ኣድላዪ ከምዝመስል ኣገንዚቡ ኣሎ።

እቲ መጽሄት ወሲኹ፣ መራሒ ኤርትራ ብመለሳ ነዳዲን ገንዘባዊ ደገፍን ንረብሓታት ስዑድያን ኤማራትን የማልእ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ድሕሪ ምእላይ እቲ መላኺን ስርዓቱን ንዝህሉ ኩነታት ዝበቅዕ ፖለቲካዊ ወገን ከም ትሕጃ ክጸንሕ ከምዝግባእ እዉን እቲ መጽሄት ኣስፊርዎ ዘሎ ጽሑፍ ይጽዉዕ።

ከምዚ ዝበለ ተሪር መጸዋዕታ ካብ ከም ዘ ኢኮኖሚስት ዝበሉ ኣብ ምቕናይን ምጽላዉን ፖለቲካዊ ዉሳኔታት ኣመሪካ ዘይነዓቕ ተራ ዝዉንኑ መጽሄታት ምዉጻኡ ፣ ብኣመሪካ ዝጽሎ ወገን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ኤርትራዊ መራሒ ተሪር ስጒምቲ ሓሲቦም ከይህልዉ ናብ ዝብል ጥርጣረ ዝወስድ እዩ።