ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ፡ 178 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ መበል 19 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ብዓወት ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን ተዛዚሙ። ኮን ቦውማን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ንኻልኣይ ጊዚኡ ኢዩ ቀዳማይ ኮይኑ ዝዕወት ዘሎ። ቦውማን ኣብ ናይ ዓቐበት ውድድር ብገፊሕ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ዝመርሕን፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ጸወታ ዘርኢ ተቐዳዳማይ ኢዩ።

ኣብ 55.8 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 55.8 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኮሎምቢያዊ ፈርናንዶ ጋቪራ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ቤልጄማዊ ተቐዳዳማይ ኤድዋርድ ቲነስ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።

ተቐዳደምቲ ኣብ 74.9 ኪ.ሜ፡ ኣብ 94.3 ኪ.ሜ፡ ኣብ 134.6 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ 178 ኪ.ሜ ኣርባዕተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ኮን ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ 9 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ዴቪድ ባለሬኒ ኸኣ 2ይ ኮይኑ 4 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ቦውማን ደጊሞ ብምዕዋት 9 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ ሳልሰይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ቮላታ ሕጂውን ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ቦውማን ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክሓፍስ ክኢሉ ኣሎ። እታ 4ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ስለዝነበረት፡ ተዓዋቲ ናይዚ መድረኽ ዝኾነ ቦውማን ቀድሲሶነ 1ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ።

ቦውማን ተቐሪቡሉ ንዝነበረ ዓርባዕተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ቮላታ ኣብ ኩሉ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ፍሉይ ኣድናቖት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ናይ ዓቐበት ውድድር፡ ሆላንዳዊ ቦውማን ብ 294 ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ’ከሎ ጣልያናዊ ጁሊዮ ሲሶነ ብ 103 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ’ሎ። ጣልያናዊ ዲየጎ ሮዛ ብ 94 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።
ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር ሎሚ ውን ዝተራእየ ናይ ደረጃ ፍልልይ የለን። ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓስ ብናይ 3 ካልኢት ፍልልይ ን ኣውስትራሊያዊ ጄይ ሂንድሊይ መሪሑ ሮዛ ማልያ ዓቂብዋ’ሎ።

ጂሮ’ዲ፡ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ቀዳም ዕለት 28 ግንቦት 168 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ጎቦ ቅድድም ክካየድ ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!