ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣስመራ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

እዞም ካብ መፋርቅ ወርሒ ግንቦት ናብ ኣስመራ ተዘርዮም ዘለዉ ኣባላት፣ ዝደቀቚ ምንቅስቓሳት ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ጸጥታ ንምኽባር ድሒረን ድማ ተመዲቦም ኣብ ዘለዉ ግፋታት ኽነጥፋ ኣብ’ታ ከተማ ተዋፊረን ዝርከባ ኣሃዱታት ስራሐን ብግቡእ የቃንዓ ከምዘለዋ ንምክትታል እዉን እዩ ስርሖም።

ብዘይካ’ዚ ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ተዋፊሮም ዕለታዊ ስምዒታት ህዝቢ ብምክትታል ጸብጻባት ናይ ዘመሓላልፉ ኣባላት ዋህዮታት ስለያ ቊጽሪ ብዕጽፊ ኪዉሰኽ ተገይሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ተመሪሑ ኣብ ምጽንጻንን ምጥላፍን ናይ ተሌፎንን ኢንተርነትን ርክባት ዝነጥፍ ፍሉይ ናይ ኤሪቴል ኣሃዱ ብዘይካ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ፥ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝደጋገሙ ጻውዒታት ተሌፎን ብፍሉይ ዕላማ ገይሩ ፡ መንነት ደዋልን ተቐባልን ኣብ ምልላይ ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ንዘሎ ምንቅስቓሳት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተጸናጺኖምን፡ ዘሎ ስግኣታት ሰኒዶምን ናብ’ተን ስጒምቲ ኪወስዳ ዝተቐረባ ኣሃዱታት ሓበሬታታት ዘሕልፉ ሰለይቲ፡ ብዓቐንን ቅዲ ኣሰራርሓን ዓመታዊ እንዳዕበየ የዉፍረን ምህላዉ ይፍለጥ።