ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ፡ 168 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ መበል 20 መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ብዓወት ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ኣሌሳንድሮ ኮቪ ተዛዚሙ። ጄይ ሂንድለይ ኣብዚ ናይ ሎሚ መወድእታ ናይ ዓቐበት ውድድር ኣገዳሲ ዝኾነ ዓወት ኣመዝጊቡ። ሂንድለይ ካብ ኤኳዶራዊ ካራፓስ 3 ካልኢት ድሕሩ ናብዚ መድረኽ ኣትዩ ኔሩ። ኣብዚ ናይሎሚ ወድድር ኣብ ኣገዳሲ ሰዓት ስካቶ ጌሩ፡ ንካራፓስ ናይ 1 ደቒቕን 28 ካልእቲን ጊዜ ስለዝኸሰበሉ፡ ብሓፈሻ ብ 1 ደቒቅን 25 ካልኢትን ጊዜ በሊጹ ንሮዛ ማልያ ክውንንና ክኢሉ ኣሎ።
ጽባሕ ዕለት 29 ግንቦት ናይ መዛዘሚ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 2022 ክካየድ ኢዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ከተማ ቬሮና ዝካየድ ውድድር 17.4 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ጎልጎል ቅድድም ስለዝኾነ፡ ኣብ ናይ ጊዜ ተቐዳደምቲ ናይ ጊዜ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት የለን።
ኣብ 63.5 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልዩ ኔሩ። ኣብ 63.5 ኪ.ሜ ዝተገብረ ቀዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጣልያናዊ ዴቪድ ባሌሪኒ ቀዳማይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ጥልያናዊ ተቐዳዳማይ ጁሊዮ ሲሶነ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 8 ነጥቢ ወሲዱ።
ተቐዳደምቲ ኣብ 81.9 ኪ.ሜ፡ ኣብ 123.4 ኪ.ሜ፡ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ (178 ኪ.ሜ) ሰለስተ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ተዳልይሎም ኔሩ። ኣብ ቀዳመቲ ቅጽበታዊ ውድድር ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ዴቪድ ፎርሞሎ ቀዳማይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክወስድ’ከሎ፡ ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ጁልዮ ሲሶነ ኸኣ 2ይ ኮይኑ 18 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 2ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጣልያናዊ ተቐዳዳማይ ኣሌሳንድሮ ቀዳማይ ብምዕዋት 50 ነጥቢ ወሲዱ። እታ 3ይቲ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ስለዝነበረት፡ ተዓዋቲ ናይዚ መድረኽ ዝኾነ ኣሌሳንድሮ 1ይ ኮይኑ 40 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ።
ኣሌሳንድሮ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ዓቐበት ቮላታ ክልተ ጊዜ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ስለዝኸኣለ ብጠቕላላ 90 ነጥቢ ክሓፍስ ክኢሉ።
በዚ መሰረቲ፡ ኣብ ናይ ዓቐበት ውድድር፡ ሆላንዳዊ ቦውማን ብ 294 ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ’ከሎ ጣልያናዊ ጁሊዮ ሲሶነ ብ 163 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ’ሎ። ጣልያናዊ ዲየጎ ሮዛ ብ 102 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።
ጂሮ’ዲ፡ ኢጣልያ 2022 ጽባሕ ቀዳም ዕለት 29 ግንቦት 17.4 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ከተማ ጂሮኒ ክካየድ ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!