ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢታት ሸራሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዘካየዱ ፡ ሮይተርስ ንእዋናዊ ጽብጻብ ሕቡራት ሃገራት መርኩስ ብምግባር ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከባቢታት ሸራሮ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ዝነጥፋ ትካላት ንዝረኸቦ ሓበሬታ መርኩስ ገይሩ ንዘዳለዎ ወርሓዊ ሰነድ ጠቒሱ ነቲ ዜና ዘዉጸአ ሮይተርስ፣ ሓይልታት ኤርትራ ብውሑዱ 23 ከበድቲ ብረት ናብ’ቲ ከባቢ ከምዝፈነዉ የረድእ።
በቲ ደብዳብ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ኪትመዉት እንከላ ፣ ብዉሑዱ 18 ሰባት ምቚሳሎምን፡ 12 ገዛዉቲ ምዕናዉን ዘመለክት ሓበሬታ ኣብ’ቲ እዋናዊ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተዓዘበ እዩ ሮይተርስ ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ግንቦት ኣብ ከባቢታት ዓደ-ኣዉዓላ ብሓይልታት ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ዝኸሰሱ መሪሕነት ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት እዉን ኣብ ከባቢታት ሸራሮ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝጎነፎም እዮም ዝዛረቡ።
ብዛዕባ ኣዞም ተኻይዶም ዝበሃሉ ዘለዉ መጥቃዕትታት ብዝምልከት ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን፡ እቶም ብመሪሕነት ሓይልታት ትግራይ ዝወጽኡ ዘለዉ ክስታት ካብ ሓቂ ዝረሓቚን፡ እቶም ሓይልታት ኸካይድዎ ንዝምድቡ ዘለዉ መጥቃዕቲ ንምምኽናይ ከምዝኾነን ገሊጹ እዩ።