ተዋሰንቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዝሳትፍኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ሕጂ’ዉን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ይሳተፍ የለን። ኣብ’ቲ “ቀይሕ ማዕበል 5” ዝጽዋዕ ስዑዲ-ዓረብ እትመርሖ ወቕታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ፣ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ ፡ ሶማል፡ የመንን ዮርዳኖስን እየን።
ንኤርትራ ነጺሎም ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዝካየዱ ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይዱ ምህላዎም ይንገር።
ንመስረታዊ ምኽንያት ምንጻል ኤርትራ ካብ’ቶም ልምምዳት ብዝምልከት ፍሕሹው ምኽንያታት ዝወሃብ እኳ ኣንተኾነ፣ ብህግደፍ ልዕለን ትሕተን ቅርጽታቱ ኪዳኸም ተገይሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ – ንመሰረታዊ መዐቀኒታት ናይተን ሓይልታተን ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ኣሕቢረን ዘለማምዳ ሃገራት ዘማልእ ብዘይምዃኑ እዮም ምንጭታት ኤሪሳት ዝሕብሩ።
ኤርትራ ኣብ’ቶም ጸጥታ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ዝነቕሉ ተበግሶታትን ዋዕላታትን ካብ ዘይትሳተፍ እዉን ዓመታት ተቘጺሩ ኣሎ።
መሳርዕ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ካብ ዘመናዉያን መራኽብን ዉርጹጽ ቴክንሎጂን ተሓሪሙ፣ ካብ ኮለላን ምልቃም ተራ ገፈፍቲ ዓሳን ዘየርሕቕ ናይ ምግባር ዓቕሚ ወኒኑ ይጓዓዝ ከምዘሎ ይፍለጥ።