በዓልመዚ ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ፡ ነቲ ብእዋናዊ መሪሕነት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተወሲዱ ዘሎ – ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ናይ ምልዓል ስጒምቲ ብሓጎስ ከምእተቐበሎ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ዞባዊ ኣካል ዶ.ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተበግሶ ንሰላማዊ ጽምዶ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኩሎም ፖለቲካዉያን ሓይልታት ሱዳን ሓቢሮም ክሰርሑ ተላብዩ ። ፖለቲካዉያን ሓይልታት እታ ሃገር፡ ነቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ነቒሉ ዘሎ ስሉሳዊ ተበግሶ ጻዕርታት ሰላም ብክፉትነት ክሳተፍዎን፡ ንምዕዋቱ ክጽዕቱን እዉም ዶ.ር ጥሩነህ ተማሕጺኑ ኣሎ።
እዋናዊ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ፡ ንሰላማዊ ፍታሕ ዝዕድም ሃዋህዉ ንምፍጣር ክብል ብ 29 ግንቦት ከልዕሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ እዩ።
ዉሳኔ እቲ ወተሃደራዊ መራሒ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ምክልኻል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ዘቕረቦ ምሕጽንታ እዩ ተግባራዊ ኮይኑ።
ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ፡ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ዳግም ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ክብእስ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ሃገሩ ንምፍታሕ ናብ ዘኽእል ጎደና ከምርሕ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት ተመባጺዑ ነይሩ እዩ።
ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ ንዝቘመ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ሲቪላዉያን ሰብስልጣን ኮይኑ ኪመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወገን፡ ብ 25 ጥቅምቲ ናይ 2021 ዳግማይ ዕልዋ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ወገን ዝዉክል ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ኪዉቀስ ጸኒሑ።
ድሕሪ እቲ ዳግማይ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሱዳናዉያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ በቲ ዕልዋ ተኾሊፉ ዘሎ ደሞክራስያዊ ስግግር ኽትግበርን ፡ ነቲ ዕልዋ ዝመርሑ ወገናት ናብ ፍርዲ ኪቐርቡን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዉዒት እንዳሓየለ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ህዝባዊ ተቋውሞ ፡ ብብረታዊ ግብረመልሲ ኣባላት ጸጥታ ናይ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ብዝሒ 95 በጺሑ ምህላዉ እዉን ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ምሕባሩ ይዝከር።
ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተኻየደ ዉሽጣዊ ዕልዋ ሻቡ ዝተቛወማ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ወገን ክሰጋገር ብምጥላብ ድማ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን ጸቕጥታት ዝገብራ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝዉሰድ ዘሎ ብረታዊ ግብረመልሲ ብቐጻሊ ይዂንና ምህላወን እዉን ይሕበር።
ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኪንዮ ኣኸቲልዎ ዘሎ ገዚፍ ህዝባዊ ተቛዉሞ ፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ኣህጉራዊ ተነጺሎ ሸሚሙዋ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ ሱዳን ድሮ ኣባልነታ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንግዜኡ ተሰሪዙ ካብ ሃገራት ምዕራብ ትጽበዮ ዝነበረ ፊናንሳዊን ልምዓታዊን ሓገዛት ኸሲራቶም ትርከብ።