ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝመዘዘ ሓቢሩ። ጸሓፊ እቲ ክፍሊ ኣንቶኒ ብሊንከን ብ1 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ንኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ፍሉይ ዞባዊ ተልእኾ ኽዓምም ከምዝመዘዞ ኣረዲኡ ኣሎ።
ንጀፈሪ ፈልትማን ተኪኡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ኪነጥፍ ዝጸንሐ ዴቪድ ሳተርፊልድ ፡ ስራሑ ይሓድግ ከምዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት እታ ሃገር ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምግላጾም፣ ኣመሪካ ንዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህዳእ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ሃንደበታዊ ሃጓፍ ኣስዒቡ እዩ ጸኒሑ።
ኣመሪካ ኣብ ዉሽጢ 13 ኣዋርሕ ንመበል ሳላሳይ ግዜ እያ ፍሉይ ልኡኽ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትምዝዝ ዘላ።
ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድን፡ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ብፍሉይ ኽከታተልን መፍትሒታት ኸካዉንን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተመዚዙ ዝነበረ ኾይኑ፣ ንቦታኡ ተኪኡ መጽዩ ዘሎ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር እዉን ነቶም ሓላፍነታት ኪዉክልን ፣ ሃገሩ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ ሶማል ተሐድሶ ንዘላ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን – ህላዌን ምዕባለታቱን ኽከታተልን እዩ።
ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ከም ኣምባሳደር ንሃገረ ቺለ፣ ከም ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ሃገሩ ከም ፍሉይ ተሓጋጋዚን ወሃቢቃልን ብምዃን ነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ ምኩር ፖለቲከኛ እዩ።