ንዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ትተሓባበር ኢኻ ተባሂሉ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ብሰብ መዚ ጥልያን ክሲ ተመስሪትሉ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ተሓላቒ ድሕነት ስደተኛታት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ካብ’ቲ ክሲ ነጻ ምዃኑ ተነጊርዎ።

ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ከተማ ትራፓኒ ንከባቢ 5 ዓመታት ክርኤ ዝጸንሐ ኣባ ሙሴ፡ ምስታ ኣብ 2016 ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዛኣተዉ ስደተኛታት ብምድሓና ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ብጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል እትዉነን መርከብ፡ ብምስጢር ሓበሬታ ትቀባበል ኔርካ ብዝብል’ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ 2015 ንኖበል ሰላም ተሓጽዩ ዝነበረ ኣባ ሙሴ፡ ነቲ ዝተኸሰሶ ገበን ፍጹም ከምዘይወዓሎን፡ ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት  ዝመጽእዎ ናይ ርድኡና ደወላት እንተኾነ እዉን ሻቡ ናብ ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪን ምድሓን ህይወትን ጥልያንን ማልታን ፡ ከማኡ’ዉን ናብ ፍሉጣት ኣህጉራዉያን ኣክላት ብቀጥታ የመሓላልፎ ምንባሩ እዩ ክምጒት ጸኒሑ።

መንግስቲ ጥልያን ኣብ ድሓን ህይወት ስደተኛታት ዝነጥፋ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝዉነና መራኽብ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ጥልያን ከይወፍራን፡ ኣብ ወደባት እታ ሃገር ከየዕርፋን ኣብ 2016 ድሕሪ ምእዋጁ፣ ኣብ አእዋኑ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ኣዉጺእና ምስ ዝብላ መራኽብን ወነንተንን ኣብ ቀጸሊ ሕጋዊ ረጽሚ ኪኣቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ክሲ እኹል መርትዖን ባይታን ስለዝተሳእኖ ምስራዙ ዝሓበረ ቤት ፍርዲ ከተማ ትራፓኒ ፣ በቲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ንዝበጽሐ ጸቕጥን ጸለመን ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።