ኣብ ሃገርና ካብ ፍሩያት ስነጥበበኛታት ክሳብ ተራ ዜጋታት ዕለታዊ ዝዛይዱ ዘለዉ ናይ ርድኡና ጻዉዒታት ፣ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገር ኣስሚርዎ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ሕሰም ዘረጋግጹ ቅሉዓት ኣብነታት ከምዝኾኑ ፡ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም።
ንመሰረታዊ ጠለባት ህይወት ዜጋታት ከማልእ ዘይመርጽ ስርዓት ንኤርትራ ይመርሓ ምህላዉ፡ በቶም ዓቕሚን ናይ ቀረባ ኣገልግሎትን ስኢኖም መዓልቲ መጸ ጸገማቶም ንህዝቦም ዘካፍሉ ዘለዉ ወገናትና ንምፍላጥ ከምዘየጸግም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎም ዓበይ ስነጥበበኛታት ከየተረፈ ረድኤት ናይ’ቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቦም ኪሓቱ ምርኣይ ተለሚዱ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።
ህዝብና መንግስቲን ኣዉሓሲን ከምዘይብሉ፡ በዚ ዕለታዊ ዝራባሕ ጥዕናዊን ቊጠባዊን ቅልውላዉ ዜጋታት ይንጸባረቕ ኣሎ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ጸገምን ሕጽረትን ከምዘየለ ኪሕስዋን ከደናግራን ብህግደፍ ዝምወላ ናይ ዉሽጢን ግዳምን መስመራት ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፋ፡ ነቲ ህዝብና ወዲቑዎ ዘሎ ደረጃ ከይተረድአን የቃልዓ ምህላወን ኣመስጊኖም።
ሓያለ ዜጋታትና ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕምዎም ብዘይፈልጡ ዓይነታት መንሽሮን ውሽጣዊ ሕማማትን ይሳቐዩ ፣ ንመሐከሚ እቶም ሕማማት ዝሕተት መጠን ገንዘብ ምስ ኣብ ሃገር ዘሕልፍዎ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ስለዘይሳነ ድማ ናብ ህዝቦም ይጠርዑ ምህላዎም ይፍለጥ።
ንህዝቢ ከንበርክኽ ዝሸምገለ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ በቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ንወገናቱ ዘርእዮም ምድንጋጻት ይሕጎስ ከምዘየለ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም ኣለዉ።