ኣብ ከባቢ ባዳ ዓስኪሩ ናይ ዝጸንሐ ክፍለሰራዊት 67 ኣባላት ንሓድሽ ትእዛዝ ህግደፍ ብምቅዋሞም ፡ ሕንፍሽፍሽ ከምዝሰዓበ ፡ ምንጭታት ኤሪሳት ካብቲ ከባቢ ሓብሮም።
እቲ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ናብ ከባቢ ባድመ ኽግዕዝ ምዃኑ ድሕሪ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ፣ ነቲ መምርሒ ዝተቛወሙ ገለ ኣዘዝቲ ከምእተኣስሩ፣ ብምእሳር ኣዘዝቶም ዝተሰምዖም ኣባላት ድማ ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ኣብ ብረታዊ ምስሕሓብ ኣትዮም ሓልፍቶም እኳ እንተፍትሑ፣ እቲ ምእሳር ዳግማይ ከምዘጋጠመ ይሕበር።
እንተኾነ እቲ ንባድመ ናይ ምግዓ ትእዛዝ ስለዘይተቐየረ ፣ ልዕሊ ሓምሳ ዝኾነ ኣባላት ምስ ገለ መራሕቶም ናብ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ ብምስጋር ከምዝዓረዱን፡ ጸኒሖም ኣዉን ናብ ሓይልታት ክልል ዓፋር ከምእተዓቚቡን እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ህግደፍ ፡ ነቶም ዝኣደሙ ኣባላት ሰራዊት ንምምላስ ሸምገልቲ እዃ እንተሰደደ፣ እቶም ኣባላት ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ጥራይ ኪዘራረቡ ከምዝደልዩ ስለዝሓበሩ፣ እቲ ጀነራል ምስ ገለ ካልኦት ሓልፈቲ ብሄሊኮፕተር ናብ ክልል ዓፋር ከምዘምርሐን፡ ካብ መብጽዓታት ዘይሓልፍ ልዝብ ከምዘካየደን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ባዳን ካልኦት ከባቢታት ኣጻምእ ደንከልን ዝርከባ ኣሃዱታት ፣ ነዊሕ ዓመታት ኣብ’ቶም ከባቢታት ዝዓስከራን፡ ንባህሪን በዳሂ ኩነታት ኣየርን እቶም ከባቢታት ዝተመሳሰልኦ ከምዝኾነናን እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኣሃዱታት ሓይልታት ባሕሪን ምድሪን ፣ ካብ’ቲ ከባቢ ክቕየራ ኣብ ዝሕተታሉ እዋን ብቐጻሊ ከምዝቃወማ ኣይርሳዕን።
ኣቕድም ኣቢሉ እዉን ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዓሰብ ንዘሎ መደበሮም ገዲፎም ንዕረፍቲ ኪፋነዉ ኣብ ዝተሓስበሉ ፣ ካብ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጀሚርካ ዝበዝሑ ኣባላት ነቲ ሓሳብ ከምእተቛወሙ ይዝከር።