ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብ3 ሰነ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ከተማ ሶሺ ተራኺቡ ከምእተዘራረበ ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ዲሚትሪ ፐሽኮቭ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ንእዋናዊ ዋና-ጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳልን፡ ንዋና-ጸሓፊ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፈኪን ረኺቡ ፡ ብዛዕባ እቲ ሩስያ ጠንቂ ኣፍሪቃዊ ቅልዉላዉ መግቢ ትኸዉን ኣላ ተባሂሉ ብሃገራት ምዕራብ ዝራባሕ ዘሎ ጸለመ መብርሂ ከምዝሃቦም እዩ እቲ ወሃቢ ቃል ዝሕብር።

ሰራዊት ሩስያ ን20 ሚእታዊት መሬት ዩክሬን ተቘጻጺሩ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ መራኽብ ኲናት ሩስያ ንዝሰፍሐ ከባቢታት ጸሊም ባሕሪ ዓጊተን ካብን ናብን ወደባት ዩክሬን ንዝካየድ ምንቅስቓሳት ይዕንቅጻ ምህላወን እዩ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ። ብዘይካ’ዚ ሩስያ ንዝበዝሓ ወደባት ዩክሬም ብደብዳብ የዕንያ ምህላዋ ትኽሰስ።

እንተኾነ፡ ሩስያ ካብ ወደባት ዩክሬንን ካብ ወደባታን ናብ ኣፍሪቃ ኪለኣኽ ዝድለ መግቢን ካልእ መሳለጥያታትን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብሰንኪ ተጻዊዶም ዘለዉ ተፈንጀርቲን ፡ ብሰንኪ ፊናንሳዊ እገዳታት ሃገራት ምዕራብን ተሰናኺሉ ምህላዉ እያ ትወቅስ።

ኣብ ልዕሊ ፊናንሳዊ ትካላታን ሰደዳታን ጸኒዑ ዘሎ እገዳ እንተተላዒሉ ግን፡ ሩስያ ንንጥፈታት ወደባት ዩክሬን ክትዕንቅጽ ከምዘይኮነት እያ ትዛረብ። ዋና ጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ማኪ ሳል ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዉን፣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ እንተተላዒሉ ፣ ናብ ኣፍሪቃ ዘምርሕ እኽሊ ደጊም ከምዘይዕገት እቲ ሩስያዊ ፕረዚደንት ቃል ከምዝኣተወሉ እዩ ኣረዲኡ ።

በቲ ራብዓይ ወርሑ ዘቚጽር ዘሎ ኲናት ሩስያን ዩክሬምን ስዒቡ ዘሎ ቅልውላዉ መግቢ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓለፋ ካልኦት ኣህጉራት ተጸልያ ምህላዋ ይፍለጥ።

ሩስያን ዩክሬንን ንሓደ ሲሶ ሰደድ ስርናይ ዓለምና ዝዉክላ ኮይነን፡ ሩስያ ካብ ቀንዲ ምንጪ መዳበርያ፣ ዩክሬን ድማ ካብ ቀዳሞት ሰደድቲ ዕፉንን ዘይቲ-ሱማን ዓለምና እየን።

ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ዋጋታት ኣቚሑን መሰረታዊ ጠለባት ህይወትን ኣኸቲልዎ ዘሎ ነዉጺን ናህሪን ክሳብ ዝመጽእ 2024 ኪቕጽል ምዃኑ፡ ዓለማዊ ባንክ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት እመታዊ ጸብጻቡ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሰደዳት ነዳዲ፣ ተፈጥሮኣኣዊ ጋዝን ከሰልን ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ሩስያ ምስ ካብ ቀንዲ ምንጪ ዕፉንን ስርናይን ዓለምና ዝኾነት ዩክሬን ተኣትዩ ዘሎ ኲናት ፣ ንዋጋ ነዳዲ  ዓለምና ብልዕሊ ዕጽፊ ፡ ንዋጋታት መግቢ ድማ ብልዕሊ 22 ሚኣታዊት ኪዛይድ ገይሩ ከምዘሎ እዩ ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ ዘመልክት።