ፖሊስ ግሪኽ ምስ ፖሊስ ኤውሮጳ (ኤሮፖል) ብምትሕብባር ኣብ ምትምያንን ምሻጥን ሰነዳት መጓዓዝያ ወፊሮም ንዝጸንሑ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሸሞንተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ነቲ ኣብ ከተማ ኣቴንስ ናይ ሕትመት ትካል ተኺሉ ኣብ ምስናዕን ምክፍፋልን ናይ ሓሶት ሰነዳት መጓዓዝያ ክነጥፍ ዝጸንሐ መርበብ ንምድቓቕ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2021 መርመራታት ኪካየድ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኤሮፖል ፣ ድሕሪ ነዊሕ ምክትታል ብ1ን 2ን ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ነቶም 8 ገበነኛታት ክቕይድ ከምዝኸኣለ የረድእ።
ኣብ’ቲ ስርሒት፣ 153 ፓስፖርት፣ 156 ወረቐት መንነት ፣ 42 ካርድታት መንበሪ ፍቕድ፣ 11 ሰንዳት መሕተቲ ዑቕባ ፣ 118 ገበራት ፓስፖርት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት መሳርሒታትን ኣስታት 4000 ኤሮ ገንዘብን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዘይሕጋዊ መርበብ` ካብ ግብጺ ናብ ግሪኽ ፣ ካብ ግሪኽ ድማ ብመንገዲ ሃገራት ባልካን ናብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘሕልፉ ትምዩናት ቪዛታት ምስ ሰነዳት መጓዓዝያ ከሕትምን፡ ንስደተኛታትን ይዂን ንኻልኦት ገበነኛታት ኪሸጠሎምን ምጽንሑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ካብ’ቲ ዝተታሕዘ መርትዖታት ድሮ 195 ጉዳያት ገበን ክንጸሩ እንከለዉ፣ ብመንገዲ እቲ ዘይሕጋዊ መርበብ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝሰገሩ 66 ስደተኛታት መንነት እዉን ተለልዩ ከምዘሎ ፖሊስ ግሪኽ ይሕብር።